ስፓርት
ስዑድ ዓረብ ፅዋዕ ዓለም 2034 ንኽተሰናድእ ተሓሪያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስዑድ ዓረብ ፅዋዕ ዓለም 2034 ንኽተሰናድእ ከምዝተሓረየት ላዕለዋይ ሓላዊ ዓለም ለኸ ማሐበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ኣፍሊጡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ፅዋዕ ዓለም 2030 ሰሜን ኣፍሪካዊት ሞሮኮ፣ ስፔንን ፖርቹጋልን ብሓባር ከምዘሰናድአኦ ተገሊፁ፡፡
መበል 100 ዓመት እቲ ውድድር ምኽንያት ብምግባር ድማ ሰለስተ ፀወታታት ኣብ ኡራጓይ፣ ኣርጀንቲናን ፓራጓይን ከምዝካየዱ ፊፋ ኣፍሊጡ፡፡
Read More...
ጋንታታት መቻልን ኢትዮጵያ መድንን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻልን ኢትዮጵያ መድን ባዶ ንባዶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
10 ሰዓት ኣብ ዝተኻደ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ብዘይምምዝጋበን ፀወተአን ብዘይ ምንም ሸቶ ብማዕረ ውፅኢት ዛዚመን፡፡
ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ጁቬንቱስ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻድሻይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ፤ ጁቬንቱስ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ከምኡ እውን ቦሩሺያ ዶርቱመንድ ምስ ባርሴሎና ዝገብረኦ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡
ምሸት ሰዓት 2፡45 ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ስሎቫን ብራቲስላቫ ከምኡ እውን ሊል ምስ ስትሩም ግራዝ ክራኸባ ኢየን፡፡…
ኣርሰናልን ፉልሃምን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 15 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፉልሃም ኣብ ሜዳኣ ንኣርሰናል ኣተኣናጊዳ ሓደ ማዕረ ተፈላልየን፡፡
ናይ ፉልሃም ሸቶ ራኡል ሂምኔዝ ከምኡ እውን ናይ ኣርሰናል ድማ ዊሊያም ሳሊባ ኣመዝጊቦምወን፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየዱ መርሃ ግብሪታት እቲ ሊግ፤ ሌስተር ሲቲን ብራይተንን ክልተ ማእረ እንትፈላለያ÷…
ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታታት ኤቨርተን ምስ ሌቨርፑል ዝገብርኡ ግጥም ልዑል ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ኣሎ
ኣዲስ አበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየዱ መበል 15 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኤቨርተን ምስ ሊቨርፑል ዝገብርኡ ግጥም ልዑል ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ኣሎ።
ክልቲአን ጋንታታት ሰዓት 9፡30 ደሕሪ ቀትሪ ኢየን ፀወተአን ከካይዳ።
ሌቨርፑል ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዝገበሮ ፀወታታት 35 ነጥብታት ብምውህላል ነቲ ሊግ ዝመርሕ ዘሎ እንትኸውን፥ ኤቨርተን…
ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እንትቕፅሉ ምሸት ሰዓት 5፡15 ኣርሰናል ኣብ ኤምሬትስ ስታዲየም ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኣብ ሞንጎ እተን ጋንታታት ብፍላይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1996 ክሳበ 2004 ዝነበረ ብርቱዕ ንሕንሕ÷ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ…
ታምራት ቶላ ተዓዋታይ ሽልማት ብሉፅ ኣትሌት ውድድር ካብ ትራክ ወፃእ እዚ ዓመት ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ታምራት ቶላ ካብ ስታዲየም ወፃእ ኣብ ዝግበር ውድድር ጎብለል ጎያያይ እዚ ዓመት ተባሂሉ ተሸሊሙ፡፡
ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ድማ ጎብለል ሰገን ኣትሌት ዓልም እዚ ዓመት ዝብል ሽልማት ከምዝተዓወተት ሓሬታ ኣትሌቲክስ ዓለም የመላኽት፡፡