ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣማራፃ ሰላም ብምቕባል ናብ ማሕበረሰብ ምስ ዝተፀንበሩ ኣካላት ይዝቲ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩን ኣማራፃ ሰላም ብምቕባል ናብ ማሕበረሰብ ምስ ዝተፀንበሩን ኣካላት ይዝቲ ኣሎ።
ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፥ እቲ ኮሚሽን ነቲ መድረኽ ዘተ ዘሰናደአ ዕጡቓት ንሰላም ቦታ ብምሃብን ሕቶታቶም ኣዳሊዮምን ንሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ንምርካብ ድሉዋት ብምዃኖም ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያዊያን ተራኺቦም ልዕልነት ሓሳብ እንተረጋግፁ ዝበለፀ መገዲ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እዞም ሓይሊታት ንሓሳብ ቀዳምነት ብምሃብ ኣጀንደኦም ንምክፋል በምርኻቦም ድማ አመስጊኖም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ ዘተ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ንምሕቛፍ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ አሐይሉ ከምዝቕፀል ኣረጋጊፆም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ