Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 20 ሚሊየን ሰባት ዝዕደሙሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበር ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሽዱሽተ መዓልቲታት ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልዕሊ 20 ሚሊየን ሰባት ከምኡ እውን ተወከልቲ ልዕሊ 100 ሃገራት ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ቴህራን ኣብዚ ፍፃመ ካብ ኣሜሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ዝፍኖ እንተኾይኑ ምላሹ ከቢድ ክኸውን ኢዩ ብምባል ኣጠንቂቓ፡፡

ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝኸፈተኦ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ዝተቐተሉሉ እዋ ን36 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሖም፡፡

ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍፃም እንተፈቲነን ዝኸፍአ ዓፀፋ ክገጥመን ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ማእኸላይ ጦር እታ ሃገር ዓሊ ኣብዱላሂ ተሓኒዮም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ሓቀኛ ሰላምን ድሕንነትን ከይዓስል ዘለዋ ንዕቐት ብተደጋጋሚ ኣርኢያ ኢያ ክትብል ኢራን ወቐሳ ምቕራባ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.