Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር ምልክት ልምዓት ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን መግለፂ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን እዩ

ኣዲስ አበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምልክት ልምዓት ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን መግለፂ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን እዩ ኢሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእእል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።

ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኣደባባይ ዓለም ስምን ክብሪን ሽምን ኢትዮጵያ እናዕበየ ዝርከብ ሃገራዊ ተበግሶ እዩ።

ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ምትካሎም ሃገር ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ትገብሮ ዘላ ስግግር ብተግባር ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር እውን ሓዱሽ ናይ ዲፕሎማሲ መልእኽቲ እናመሓላለፈ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ተኽሊ ብምቕራብን ተሞክሮታት ሓለዋ ከባቢ ብምክፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ተጠናኽር ኣላ፤ እዚ ድማ ብዙሓት ረብሓታት ዲፕሎማሲ የምፅእ ኣሎ ኢሎም።

ክሊማዊ ለውጢ ንምፅዋር ዝወሰድናዮ ተግባራዊ ስጉምቲ ዓለም ከም ተሞክሮ እናተመልከቶ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን ናእዳን ንኽትረክብ ኣኽኢልዋ እዩ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳትፎ ዜጋታት ብምዕባይ ሃይማኖት፣ ዕድመን ፆታን እንተይገደቦም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ዕላማ ዘተኣኻኸበ ሃገራዊ ኣጀንዳ ልምዓት ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ምስራሕ ዘለዎ ረብሓ ዘርአየን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኸረን ከምዝኾነ ፀሪሖም።

መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእእል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ግዜኢን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ሓዊሱ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ትካል ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ቃላይ ሆራ ኣርሰዲ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.