Fana: At a Speed of Life!

ሓያል ዋልታ ሉኣላውነት ሃገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሉኣላውነትን ክብሪን ሓንቲ ሃገር ዝምዘን ብጥንካረ ዶባታን ብሰላም ህዝባን እዩ።

ነዚ ሰላምን ክብርን ንምሕላው ድማ ለይትን ቀትሪን ንህይወቱ ከይሰሰዐ ብቖራፅነት ዝህብ፣ ብናይ ታሪኽ ሁቦብላታት ሓሊፉ ዝፀንዐ ሓያል ትካል የድልያ።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብትኽክል ናይዚ ሓቂ ነፀብራቕ እዩ።

እቲ ትካል ናይ ነዊሕ ዘበናት ወታደራዊ ታሪኽን ጅግንነትን ኣሰር ምስ ዘመናዊ ወታደራዊ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣወሃሂዱ ዝሓዘ ሓያል ዋልታ ሉኣላውነት ሃገር ኢዩ።

እዚ ዓብዪ ሰራዊት ናይ ሓደ ወገን ወይ ሓደ ጉጅለ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ መግለፂ ብዝሃነት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ኮይኑ ንብዝሕነትን ኣንድነትን ህዝብታት ብዘንፀባርቕ መልክዑ ዝተወደበ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ።

እዚ እቲ ሰራዊት ብሕጊን ብዲሲፕሊንን ዝተሃነፀ እንትኸውን፤ ጥንካርኡ ድማ ካብ ዝተዋደደ ኣወቓቕራ ክፍልታቱ ዝፍልፍል እዩ።

ሰፊሕ ሓይሊ ሰብ ዝሓዘ ሓይሊ ምድሪ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እዛ ሃገር ማለት እውን ብእዚታት ምብራቕ፣ ምዕራብ፣ ሰሜን፣ ደቡብን ማእከላይን ተኸፋፊሉ ዶብ ሃገር ብዘተኣማምን ኩነታት ይሕሉ።

ብሰማይ ድማ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘበናዊ ተዋጋእቲ ጀታትን ሄሊኮፕተራትን ዝተሓገዘ ዘብዒ ክልል ኣየር ሃገር ዝሕሉ ሓያል ሓይሊ ኮይኑ ይርከብ። ዘበን እናተቐየረ ክኸይድ ከሎ ሜላታት ውግእ እውን ምስኡ ይቕየሩ።

ነዚ ዝተረድአ ሰራዊት ምክልኻ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘካየዶ ሰፊሕ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ንባዕሉ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣዋዲዱ ኢዩ።

ልዕሊ እዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናበሐ ዝመፅእ ዘሎ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብቲ ዓውዲ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጠናኸረ እንትኸውን፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ መከላኸሊ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪታት ነቲ ሰራዊት ዘድልዩ ኣፅዋራት፣ ጠያይቲን ወታደራዊ ተሽከርከርቲን ብምፍራይን ብምፅጋንን እቲ ትካል ብርእሱ ናይ ምትእምማን ዓቕሙ ክዓቢ ገይሮምዎ እዮም።

መንግስቲ መደመር ብፍላይ ንዘበናዊ ሜላትታት ውግእ ብዕምቆት ዝርዳእ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከምኡ እውን ኣብ ውግእ ወሳኒ ተራ ዘለወን ድሮናት (ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ)ን ካልኦት ዘበናዊ ተዋጋእቲ ጀታትን ብምምዕባልን ብምዕጣቕን ብትኹረት ይሰርሕ ኣሎ። ንእዚ ድማ ንሲቪልን ወታደራዊን ኣገልግሎት ዝውዕሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዘፍሪ ዘሎ ኢንዱስትሪ ስካይ ዊን ኤሮኖቲክስ ከም ኣብነት ምፅራሕ ይከኣል።

ሰራዊት ምክልኻል ናይ ፀላኢ ምንቅስቓሳት ብቕልጡፍ ንምክትታል፣ መፅናዕቲ ንምክያድን ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ናይ ውግእ ቴክኖሎጂታት እውን እናተዓጠቐ ይርከብ።

ኣብ ልዕሊ ሃገር መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምምካትን ብውሑድ ክሳራ ንምዝዛምን ጥራሕ ዘይኮነስ ጎንጺ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣቐዲሙ ክከላኸል ዝኽእል ዘበናዊ ሰራዊት ናይ ምህናፅ ከይዲ ኣጠናኺሩ ኣሎ።

ብኻልእ መዳይ ዝና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዶብ ሃገር ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት እውን ብኽብሪ ዝፅራሕ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን፣ ኣብ ኮርያ፣ ኮንጎ፣ ሩዋንዳ፣ ላይቤርያን ሶማልያን ዝተኻየዱ ዕዉታት ልኡኽቶታት ምዕቃብ ሰላም ናይቲ ሰራዊት ወታደራዊ ስነ ምግባርን ሰብኣውነቱ ንዓለም ዘመስከሩ እዮም።

ሰራዊት መከላኸሊ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ትማሊ ታሪኻዊ ጅግንነት ጠጠው ብምባል ናይ ፅባሕ ዘመናዊትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ሰላማ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምርግጋፅ ተዓጢቑን ተወዲቡን ብንቕሓት ደው ኢሉ ይርከብ።

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.