መርአያ ቆራፅነት ዓሚቕ ፍቕሪ ሃገር
ኢትዮጵያ ካብ ኣኽራናታ ዝዓበየ ታሪኽ፣ ካብ ሩባታታ ዝዓሞቐ ባህሊን ብሓድነት ደቃ ዝተሃነፀት ዓባይ ሃገር እያ።
እታ ሃገር ኣብ መድረኽ ታሪኽ ብኽብሪ ክትቀውም ካብ ዝገበሩዋ ሓደ ዘይብዳህ ሓርበኝነት እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ፣ ህዝባ ምስ ሃገሮም ዘለዎም ዓሚቝ መንፈሳዊን ኣካላዊን ምትእስሳር ፍሉይ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሓደ እዋን ምስዚ ዝተኣሳሰረ መደረ ኣስሚዖም ነይሮም።
እዚ ድማ፣ “ንሕና ኢትዮጵያውያን ክንነብር ከለና ኢትዮጵያዊ እንትመውት ድማ ኢትዮጵያ ንኸውን” ዝብል ወርቃዊ መደረ እንትኸውን፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ መደረ ብተግባር ዝነብሩዎን ዓሚቝ ናይ ዘለኣለማዊ ምልክትን መንነትን ፅንዓት ፍቕሪ ሃገርን ዘርኢ እዩ።
እዚ ፅንሰ ሓሳብ ብደም ዝተፅሓፈን ኣብ ቅብብል ወለዶታት ዘይሃስስን ዘለኣለማዊ መንነትን ኢትዮጵያውያን ብግልፂ ዘርኢ ሓቂ እዩ።
እዚ ቃል እዚ ፖለቲካዊ ጭርሖ ዘይኮነስ፣ ዓሚቝ ፍልስፍና ኢትዮጵያውነትን ንሃገር ዝኽፈል ዋጋን ብሓፂር ቃል ዝገልፅ ህያው ምስክርነት እዩ።
ብሓቂ እውን ሃገር ዘይብሉ ህዝቢ መንነት ዘይብሉ፣ ተስፍኡን ክብሩን ዝተገፈፈ ስደተኛ እዩ። ንሕና ግን ብኽብሪ እንፅዋዕ ብሽማ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ክፍለ ዓለም እንተኸድና፣ ብኽብሪ ርእስና ኣቕኒዕና “ኢትዮጵያዊ እየ” እንትንብል ክብርና እንገልፀሉን መንነትና ዘረጋግፀልናን ፣ለለዪ መንነትና እያ።
እንትንነብር ኣብ ለምለም መሬታ ፅዒርና ደኺምናን ሃገርና ነልምዓ። ፀላኢ ክብራ እንትንካእ ድማ ሓመዳ ካብ እግሩ ኣራጊፍና ናብ ዝመፀሉ ንሰዶ።
ኢትዮጵያውነት መግለፂ ናይ ኩላትና ኢትዮጵያውያን እዩ። ኩሉ ህይወትና፣ ሽምና፣ ክብርናን ረብሓናን ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ እዩ። ንሳ እንትትነብር ንሕና ንነብር፤ ንሳ እንትትከብር ንሕና ንኽበር።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝዝበሉዎ ድማ፤ “እንትንነብር ኢትዮጵያዊ፣ እንትንመውት ኢትዮጵያ” ንኸውን።