Fana: At a Speed of Life!

መበል 49 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣22  ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)4መበል 49 ጉባኤ ኣካላት ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ፡፡

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝነበሩ ምትሕብባራትን ኣፈፃፅማ ሸቶታት እቲ ሕብረትን ብምግምጋም ንቐፃሊ ኣንፈታት ብምቕማጥ እዩ እቲ ጉባኤ ተዛዚሙ።

ዓቕሚ እቲ ሕብረት ንምጥንኻር ኣብ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ማዕቀፋት እውን ኣብ ስምምዕነት ዝበፅሑ እምትኾኑ፤ ኣባል ሃገራት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት እጃመን ንኽዋፅኣ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ፅዕንቶ ክገብሩ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኣፍሪካ ኣብ ትካላት ፋይናንስን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ክህልዋ ዝግባእ ወሳኒ ግደ ዝተሓባበረ ድምፂ ክህሉ ከምዝግባእ ኣብቲ ጉባኤ ተላዒሉ።

መበል 49 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ዝተሳተፉ ወከልቲ ሃገራት ነናብ ሃገሮም እንትምለሱ ነቶም ዝተበፅሑ ስምምዓት ብተግባር ንምፍፃም ትኹረት ንኽህቡ እውን ተሓቲቱ።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.