ምውፋር ስራሕ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ድሕንነቱ ዝተሓለወ ንምግባር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምውፋር ስራሕ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዘተኣማምንን ክኸውን ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ ኢሉ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ሓዱሽ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ጠሚቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተዛተየ የርከብ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ሙሉእ ብሙሉእ ዲጂታላይዝ ንምግባት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብፍላይ ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዜጋታት ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ንዝኸፍአ ጉድኣት ዘቃልዑ ኣሰራርሓታት ንምትራፍ ግቡእ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ ሚኒስቴር ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር መስርሒን ሰራሕተኛን ዳንኤል ተሬሳ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ አብቲ ዓውዲ ዝተወገኑ ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢት እናምፅኡ ይርከቡ።
ኢትዮጵያ ንጉዳያት ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ብዝሃበቶ ትኹረት ዝነበሩ ክፍተታት ምንካይ ከምዝኸኣለ እውን ኣብሪሆም።
ብፍላይ ኣሰራርሓታት ዲጂታል ብምግባር ብዝተወገኑ ተግባራት ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ዜጋታት ጉዕዞኦም ድሕንነቱ ዝተሓለወ ንኽኸውን ንምግባር ዝሕግዙ ተግባራት ተሳሊጦም ኢሎም።
ነዚ ድማ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገርን ምስ ሃገራት ዝተገበረ ክልተኣዊ ስምምዕነትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣብሪሆም።
ብሰለሞን ይታየው