Fana: At a Speed of Life!

ምደባ ዩኒቨርሲቲ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምደባ ዩኒቨርሲቲ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ዕላዊ ተገይሩ፡፡

ሚኒስቴር ትምህርቲ ከም ዝገለፆ፤ ተምሃሮ ዝተመደቡሉ ዩኒቨርሲቲ ነዚ ዕላማ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ኦንላይን ስርዓት ብምጥቃም ክሪኡ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

ዝተመደቡሉ ዩኒቨርስቲ ንምርኣይ እዚ መጠወቒ፦ https://student.ethernet.edu.et/view-placement ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ እውን ሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ምደባ ቅርታ ዘለዎ ተምሃሮ ጥርዓኖም ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተሰናደአ ናይ ኦንላይን ስርዓት ጥራሕ እዚ ምደባ ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲታት ኣድላዪ ሓበሬታን መረዳእታን ብመሓዝ ንኸቕርቡ እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ጥርዓን መቕረቢ መጠወቒ፦ https://student.ethernet.edu.et/complaints

በዚ ድማ ብኣካል ናብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምምፃእ ዝቐርብ ናይ ምደባ ቅርታ ከምዘይተኣናገድ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዝተሰሓሓተ መረዳእታ ወይ እውን ዝተጭበረበረ ሰነድ ምቕራብ ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ተምሃሮን ወለዲን ንኽግንዘቡ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.