ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰርሓ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምር – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰርሓ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምር፣ ይፀንዕ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግማይ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኮይኖም ብምምራፆም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊፆም።
ንታሪኻዊት ሃገር ኢትዮጵያ ንኸገልግሉን ዕዉትን ውፅኢታዊ ዘበን ስራሕ ንኽኾነሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።