ሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ ብብቕዓት ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ፈልሲ ናይ ምትካል ዝፀንሐ ባህሊ ኣለዎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሃገሩ ብብቕዓት ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ፈልሲ ናይ ምትካል ዝፀንሐ ባህሊ ኣለዎ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ፡፡
ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ከምኡ እውን ላዕለዎት መኮንናትን ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ብምርካብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ ብብቕዓት ካብ ምሕላው ሓሊፉ ፈልሲታት ባይ ምትካል ዝፀንሐ ባህሊ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ምትካል ፈልሲ እቲ ሰራዊት ብዝበለፀ ከምዘጠናኸሮ ገሊፆም።
እቲ መርሃ ግብሪ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ብምውሳኽ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝርከብ ብምሕባር፥ ሰራዊት ምክልኻል እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡
ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰራዊት ምክልኻክ ሃገር 20 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡
ብሳራ ስዩም