ስፓርት
ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ጀርመን ብጃፓን ተሳዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ንጀርመን መዘናኣ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።
ሰዓት 10 ኣብ ዝጀመረ ፀወታ ክልቲአን ሃገራት ኢካይ ጉንዶኻን ኣብመበል 33 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሽቶ ጀርመን ክትመርሕ መሪሓ ትንበር እምበር÷ ጃፓን ድሕሪ ዕረፍቲ ብዶኣንን ኣሳኖን ኣቢላ ኣብ መበል 75ን 83 ደቒቕ ብዘመዝገበተን ሽቶታት 2 ን 1 ክትስዕር ክኢላ።
ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ስፔንን ኮስታሪካን ሰዓት 1 ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ኣብቲ…
Read More...
ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሞሮኮን ክሮሺያን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ኣብ ሃገራዊያን ጋንታታት ሞሮኮን ክሮሺያን ማዕረ ተፈላሊየን።
ሰዓት ሸውዓተ ኣብ ዝጀመረ ፀወታ ክልቲአን ሃገራት 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ።
ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ሃገራት ቤልጂምን ካናዳን ምሸት ሰዓት 4 ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ዝርከባ ጀርመንን…
ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ውዕሎ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ 7 ሰዓት ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ዝተደልደላ ሃገራት ሞሮኮን ክሮሺያን ክፃወታ ኢየን።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ሃገራዊ ጋንታታ ቤልጂምን ካናዳን ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ዝርከባ ጀርመንን ጃፓንን ሰዓት…
ዴንማርክን ቱኒዚያን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዴንማርክን ቱኒዚያን ብማዕረ ውፅኢት ባዶ ብባዶ ተፈላሊየን።
ነዚ ስዒቡ ነጥቢ ተማቒለን ኣለዋ።
መበል 22 ዋንጫ ዓለም ኣብ ኳታር ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/…
ኢትዮ ፌሪስ ትካል ትራንስፖርት ባሕሪ ተጣይሹ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ፌሪስ ትካል ትራንስፖርት ባሕሪ ተጣይሹ።
እቲ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርተን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያን ትካል ተራንስፖርት ጣና ሃይቂን ብምውሃድ ኢዮም ኣጣይሸምዎ።
መርሃ ግብሪ ምጥያሽ እቲ ትካል በዝምልከት ኣብ ባህርዳር ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ ሓዊሱ ካልኦት…
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና 2 ን1 ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና 2 ን1 ተዓዊታ።
ኣብቲ ፀወታ ኣብ መበል 10 ደቒቓ ሊዮኔል መሲ ብፍፁም ቅፅዓት ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ ቅድሚ ዕረፍቲ 1 ንባዶ ምምራሕ እኳ እንተኸኣለት፥ ስዑዲ ዓረብ ደሕሪ ዕረፍቲ ውፅኢት እቲ ፀወታ ቀይረምዎ።
ብመሰረት እዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና 2 ን1 ተዓዊታ ኣላ።…
ኣብ ኳታር እናኻየደ ኣብ ዝርከብ ዋንጫ ዓለም ሎሚ መዓልቲ 4 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኳታር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዋንጫ ዓለም 2022 ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ÷ ካብ ምድብ ሰለስተ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስታድዮም ሉሳይል ሰዓት 7 ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ።
ኣብቲ ምብድ ዝርከባ ሜክሲኮን ፖላንድን ድማ ሰዓት 1 ጨወተአን ከካይዳ…