ስፓርት
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንኢራን 6 ን 2 ብምስዓር ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንኢራን 6 ን 2 ብምስዓር ተዓዊታ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ሃገራዊያን ጋንታታት እንግሊዝን ኢራንን ተራኺበን።
ኣብቲ ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 6 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ንኢራን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።
ቤሊንግሃም ኣብ መበል 35 ደቒቕ፣ ቡካዮ ሳካ ኣብ መበል 43ን 62 ደቒቕ፣ ራሂም ሰትረሊንግ ኣብ መበል 46 ደቒቕ ተወሳኺ ሰዓት፣ ራሽፎርድ ኣብ መበል 71 ደቒቕ፣…
Read More...
ኣብ ኳታር ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኳታር ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 ሎሚ መዓልቲ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ ብምኽኒያት ጉድኣት ንሳዲዮ ማኔ ዘየሰለፈት ሴኔጋል ምስ ኔዘርላንድስ ሰዓት 7 ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።
ኣብ ጉጅለ ክልተ ዝርከባ እንግሊዝን ኢራንን ድማ ሰዓት 10 ጨወተአን ከካይዳ ኢየን።…
ኣብ መኽፈቲ ፅዋዕ ዓለም ኣሰናዳኢት ሃገር ኳታር ብኢኳዶር 2 ን 0 ተሳዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ትማሊ ምሸት ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተጀሚሩ።
ኣሰናዳኢት ሃገር ኳታር ምስ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ኢኳዶር መኽፈቲ ፀወታኣ ኣካይዳ።
ኣብቲ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኳታር ብኢኳዶር መዘናኣ 2 ን 0 ተሳዒራ።
ክልቲአን ሽቶታት ኢኳዶር ኢነር ቫለንሺያ ኣመዝጊቡወን።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኳታር ኣብ ታሪኽ…
ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ፅዋዕ ዓለም ዋንጫ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት መኽፈቲ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ዋንጫ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ሎሚ መዓልቲ መኽፈቲ ፀወታ ኣብ ዝተኣናገደሉን 60 ሺሕ ተመልከትቲ ዘተኣናግድን ስታዲየም ኣል ባይት ኢዩ፡፡
ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሳውንድ ትራክ እቲ ውድድር ተባሂሉ ብፊፋ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ “ሃያ ሃያ” (ምትሕብባር ይሕሽ) ዝብል ሙዚቃ…
ካሪም ቤንዜማ ካብ ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ካሪም ቤንዜማ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ካብ ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ከምዝኾነ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ኣፍሊጣ፡፡
ካሪም ቤንዜማ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኮይኑ ዘሎ፥ ትማሊ ኣብ ልምምድ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ጭዋዳ ከምዝኾነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳ ገፃ ዕላዊ ገይራ፡፡…
ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 22 ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኳታር ክጅምር ኢዩ።
ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ውድድር፥ ከባቢ 60 ሺሕ ተመልከትቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣብ ዘለዎ ስታዲየም ኣል በይት ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ፥ ሳውንድ ትራክ እቲ ውድድር ተባሂሉ ብፊፋ…
ኣትሌት ኣቤ ጋሻው ኣብ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዓመት ብደቂ ተባዕትዮ ንሳልሳይ ግዘ ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዓመት ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣቤ ጋሻው ካብ ኣምሓራ ቤት ህንፀት ንሳልሳይ ግዘ ተዓዊቱ።
ኣትሌት ኣቤ ጋሻው፥ ኣብዚ ውድድር እንትዕወት ሎሚ ዘበን ንመበል ሳልሳይ እዋን ኢዩ፡፡
ኣትሌት ሃይለማርያም ኣማረ ካብ ቤት ህንፀት ፌደራል ካልኣይ፤ ከምኡ እውን ኣትሌት ገመቹ ዲዳ…