Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ማቼስተር ሲቲ ንዎልቭስ 2 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 8ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናብ ስታዲየም ሞሊኒክስ ብምምራሕ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 2 ን 1 ተዓዊታ፡፡ ዎልብስ ኣብ መበል 7ይ ደቒቕ ላርሰን ብዘመዝገባ ሸቶ ክትመርሕ ክኢላ ዝነበረት ትኹን እምበር፤ ግባርድዮል ኣብ መበል 33 ደቒቕ ከምኡ እውን ጆን ስቶንስ ፀወታ ክዛዘም ሰከንድታት ኣብ ዝተረፉዎ ኣብ መበል 95 ደቒቕ ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሲቲ ክትዕወት ክኢላ፡፡ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ቀፂሉ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሊቨርፑል  ምስ ቼልሲ…
Read More...

ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም። ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ኣብቲ ውድድር ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ፡፡ ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም ፀጋዬ ጌታቸው ተዓዊቱ፡፡

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ቸልሲን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምናይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክግበሩ ኢዮም፡፡ ብመሰረት እዚ ማንቸስተር ሲቲ ናብ ሞሊኒዮ ስታዲየም ስታዲየም ብምምራሕ ምስ ዎልቭስ ሰዓት 10 ክትገጥም ኢያ፡፡ ብኻሊእ መዳይ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ሮድ ንቸልሲ 12፡30 እተተኣናግደሉ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ፡፡…

ቶማስ ቱሀል ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምዃን ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ቶማስ ቱሀል ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምስልጣን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡ ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ቼልሲ ቱሀል÷ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ብምዃን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2026 ዘፅነሖ ኩንትራት ንምፍራም ምስ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ከምዝተስማዕምዑ ቢቢሲ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ፀወትኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ምፅራይ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ፀወትኡ ከካይድ ኢዩ። እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ኣቢጃን ከምዝካየድ ተገሊፁ። ስለዝኾነ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ናብ ኮትዲቯር አቢጃን ከምዝተጎዓዙን ልምምድ እናገበሩ ከምዝፀንሑን ተሓቢሩ።

ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ዘለዉ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ኣብ ዘለዉ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ከምዝተገበረ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ሰሙን መርሃግብሪ ፀወታታት ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ምስተኻዱ፤ ብምኽንያት መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት…

ኤርሊንግ ሃላንድ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ኖርዌይ ኮይኑ

ኣዲስ አበባ፣ ጥቅምት 1፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኖርዌያዊ ኤርሊንግ ሃላንድ ኣብ 36 ዓለም ለኸ ፀወታታት ብዘመዝገበን ሸቶታት ናይ ሃገሩ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ክኸውን ክኢሉ። ወዲ 24 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ትማሊ ምሸት ኣብ ፀወታ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ሃገሩ ኖርዌይ ንስሎቫኒያ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ…