Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ማራቶን ቶሮንቶ ኢትዮጵያውያን አትሌቶች ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቶሮንቶ ኢትዮጵያውያን አትሌቶች ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም። ኣትሌት ዋጋነሽ መካሻ ብደቂ ኣንስትዮ ማራቶን 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 44 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ፡፡ ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ኣትሌት ሙሉጌታ አሰፋ ተዓዊቱ፡፡ ኣትሌት ሙሉጌታ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን 16 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ወፂኡ፡፡
Read More...

ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ሻኦሊን ኢትዮጵያውያን 3 ሜዳሊያታት ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተሳተፋሉን ኣብ ቻይና ዝተኻየደን መበል 13 ዓለም ለኸ ውድድር ዤንግዡ ሻኦሊን ኢትዮጵያን ብምውካል ኣብ ስፖርት ውሹ ዝተሳተፉ ማስተራት ሰለስተ ሜዳሊያታት ረኺቦም፡፡ ብመሰረት እዚ ማስተር ሰሚር ናስር ብኣርት ታይቺ ሜዳሊያ ብሩር፣ ማስተር በጎኣየሁ ኣድማሱ ብናንቿን ሜዳሊያ ነሓስ ከምኡ እውን ማስተር…

ማቼስተር ሲቲ ንዎልቭስ 2 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 8ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናብ ስታዲየም ሞሊኒክስ ብምምራሕ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 2 ን 1 ተዓዊታ፡፡ ዎልብስ ኣብ መበል 7ይ ደቒቕ ላርሰን ብዘመዝገባ ሸቶ ክትመርሕ ክኢላ ዝነበረት ትኹን እምበር፤ ግባርድዮል ኣብ መበል 33 ደቒቕ ከምኡ እውን ጆን ስቶንስ ፀወታ ክዛዘም ሰከንድታት ኣብ ዝተረፉዎ…

ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም። ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ኣብቲ ውድድር ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ፡፡ ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም ፀጋዬ ጌታቸው ተዓዊቱ፡፡

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ቸልሲን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምናይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክግበሩ ኢዮም፡፡ ብመሰረት እዚ ማንቸስተር ሲቲ ናብ ሞሊኒዮ ስታዲየም ስታዲየም ብምምራሕ ምስ ዎልቭስ ሰዓት 10 ክትገጥም ኢያ፡፡ ብኻሊእ መዳይ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ሮድ ንቸልሲ 12፡30 እተተኣናግደሉ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ፡፡…

ቶማስ ቱሀል ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምዃን ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ቶማስ ቱሀል ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምስልጣን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡ ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ቼልሲ ቱሀል÷ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ብምዃን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2026 ዘፅነሖ ኩንትራት ንምፍራም ምስ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ከምዝተስማዕምዑ ቢቢሲ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ፀወትኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ምፅራይ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ፀወትኡ ከካይድ ኢዩ። እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ኣቢጃን ከምዝካየድ ተገሊፁ። ስለዝኾነ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ናብ ኮትዲቯር አቢጃን ከምዝተጎዓዙን ልምምድ እናገበሩ ከምዝፀንሑን ተሓቢሩ።