ስፓርት
መበል 13 ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጋና ዝካየድ መበል 13 ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣብ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ስፖርት ጋና ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሊቀ መንበር ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ልምዓት ጥዕና፣ ሰብኣዊን ማሕበራዊን ኣምባሳደር ሚናታ ሳማቴ ሴሱማን ካልኦት ኣመራርሓታት እቲ ኮሚሽንን ክርከቡ ኢዮም ተባሂሉ፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 14 መጋቢት ዝፀንሕ…
Read More...
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ማራቶን ለንደን ክሳተፉ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም ማራቶን ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን 2024 ከምዝሳተፉ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ማራቶን ለንደን ኣፍሊጡ፡፡
ወዲ 41 ዓመት ኣትሌት ቀነኒሳ÷ ኣብ 2023 ማራቶን ቫሌንሲያ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 9 ሰከንድን ብምእታው ኣብ ዘፈር ልዑል ዕድመ ሓዱሽ ክብረወሰን…
ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዕዙዝ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስኮትላንድ ግላስኮው ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዕዙዝ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ…
ኣብ ግላስጎ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ 1ይቲ ብምዃን ዛዚማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።
እቲ ሻምፒዮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ክሳብ 3 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮትላንድ ግላስጎ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንትኸውን÷ ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ ልዕሊ 130 ሃገራት…
ኢትዮጵያ ብ1 ሺሕን 500 ከምኡ እውን ብ800 ሜትሮ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮን ብ800 ሜትሮን ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።
ኣብቲ ሻምፒዮና÷ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ፍሬወይኒ ሃይሉ 4:01.46 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሜዳልያ ወርቂ ኣምፂኣ።
ብተመሳሳሊ…
ኢትዮጵያ ቡና ንሲዳማ ቡናን 3 ን 0 ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ሲዳማ ቡናን ተራኺበን ኢትዮጵያ ቡና 3 ን 0 ብዝኾ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ንኅትዕወት ኣብዱልከሪም ወርቁ፣ ብሩክ በየነን ጊት ጋትኩት(ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ)ን ኣቑፂሮምወን፡፡
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ካብ ምሸት ሰዓት 1 ኢትዮጵያ…
ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺቦም።
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፥ ጉዳፍ ፀጋዬ 8:21.13 ብዝኾነ ሰዓት ውድድራ ብምዝዛም 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና፡፡
ለምለም ሃይሉ…