ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብሩንዲ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብሩንዲን ኣቦ ወምበር ሕብረት ኣፍሪካን ኤቫሪስት ንዳይሺሚዬ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ምስ ፕሬዝዳንት ቡሩንዲን ኣቦ ወምበር ሕብረት ኣፍሪካን ኤቫሪስት ንዳይሺሚዬ ተዛቲና ኢሎም።
“ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርናዮም ልዝባት መሰረት ብምግባር፣ እዚ ዘተ ቀዳምነት ኣብ እንህቦም ሓበራዊ ጉዳያት ንምድህሳስ፣ ክልተኣዊ ምትሕብባርና ንምስፋሕ ከምኡ እውን ሓበራዊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ኣጀንዳታትና ናብ ጭቡጥ ተግባራት ንምልዋጥ ዘኽእሉ ሓሳባት ንኽንለዋወጥ ዕድል ሂቡና” ክብሉ እውን ገሊፆም።