ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ጅቡቲ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ ናብ ጅቡቲ ኣትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ጅቡቲ ጅቡቲ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሎም።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ዝያዳ ንምጥንኻር ዝዓለመ ሓባራዊ ፕሮጀክት ዕላዊ ዝግበረሉ መድረኽ ከምዝሳተፉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።