ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ ናብ ጅቡቲ ምእታዎም ይዝከር።
ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ብምዃን ኣብ ጅቡቲ ዳመርጆግን ካብ ኢትዮጵያ ደወሌን ዘራኽብ ዓብዪ ስትራተጂካዊ ኢንቨስትመንት ዝኾነ ሓድሽ መስመር ቧንቧ መመሓላለፊ ዝተፃረየ ነዳጅ ዝርግሐ ዕላዊ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ድሕሪ ምስታፎም ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም፣ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረዲኡ።