Fana: At a Speed of Life!

በሪ ባሕሪ ዝተኸልከለት ሃገርን ተሞክሮ ዓለምን

ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ 23፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በቲ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ሃፍተን ብግቡእ ፀንቂቐን ብምጥቃም ልምዓት ንምምዝጋብ ልዑል ዕንቅፋት የጋጥመን።

ነዚ ድማ ኣድለይቲ ዝኾኑ ፍርያታትን ጥረ ኣቕሑን ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ወይ ካብ ወፃኢ ናብ ሃገረን ንምእታው ፍቓድን ምትሕብባርን ካልኦት ሃገራት የድልየን።

ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት እዚ ኩነታት ኣጋጢምዋ እዩ። ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትን በዝሒ ህዝብን እንትረአ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝርከብ ኢኮኖሚኣ ዝድግፍን ዘጠናኽርን በሪ ባሕሪ ዘይምህላው ብትደልዮ መጠን ከይትሰርሕ ልዑል ዕንቅፋት ኮይኑዋ ፀኒሑ እዩ።

ሃገርና ኣብ ዓለም ዝለዓለ በዝሒ ህዝቢ ሃሊዩወን በሪ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ቀዳመይቲ እያ። ኡጋንዳ፣ ኡዝቤኪስታን፣ ኣፍጋኒስታንን ኔፓልን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካብ 2ይ ክሳብ 5ይ ደረጃ ይስርዓ።

ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ ናይዘን ኣርባዕተ ሃገራት ተደሚሩ 157 ሚልዮን ዝበፅእ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ በይና ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ ካብ በሪ ባሕሪ ክትግለል ተገይራ እያ።

ኢትዮጵያን ምስ በዝሒ ህዝቢ ምስ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት እንትነፃፀር ካብ ባሕሪ ዘለዋ ርሕቀት ኣዝዩ ዝሓፀረ እዩ።

ንኣብነት ኣፍጋኒስታን ካብ ገማግም ባሕሪ 457 ኪ.ሜ፣ ኡጋንዳ 480 ኪ.ሜ፣ ኔፓል 690 ኪ.ሜ፣ ኡዝቤኪስታን 900 ኪ.ሜ እንትርሕቓ፤ ኢትዮጵያ ግና ካብ ቀይሕ ባሕሪ 60 ኪሎ ሜትር ጥራሕ እያ ትርሕቕ።

ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣዝዩ ቀረባ ርሕቀት እናሃለወት መውፂኢ ባሕሪ ክትስእን ዝተገበረሉ ታሪኻዊ ሸፈጥ ዘገርምን ናይ ውሽጢ ተሓባባርቲ እውን ወለዶ ዘይርስዖ ጌጋ ዝፈፀሙሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣብ ታሪኽ መውፅኢ በሪ ባሕሪ ዘይነበረንን ብኣማኢት ኪሎ ሜትሮ ዝርሓቓን ብዙሓት ሃገራት ብዝተፈላለየ መገዲ በሪ ባሕሪ ክረኽባ ክኢለን እየን። ሕቶ በሪ ባሕሪ ብታሪኽ መልሲ ዝረኸባሉ መገዲ ንምፍላጥ ትምህርቲ ስለዝኸውን ምፅራሕ ግቡእ ይኸውን፡፡ ነዚ ድማ ዮርዳኖስ፣ ቦሊቪያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከም ኣብነት ንርአ።

ዮርዳኖስ ኣዚዩ ቀረባ ካብ ዝኾነ ወሰን ባሕሪ 300 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ዝነበረት በሪ ባሕሪ ዘይነበራ ሃገር እንትትከውን፤ ምስ ስዑድ ዓረብ ብምድርዳር ብልውውጥ መሬት በሪ ባሕሪ ክትረክብ ክኢላ።

ብመሰረት እቲ ድርድር ስዑድ ዓረብ ንዮርዳኖስ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኣቃባ 18 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ንውሓት ዘለዎ ወሰን ባሕሪ ዝሃበታ እንትትከውን፤ ዮርዳኖስ ድማ ብምላሹ 6 ሺሕ ስኩዌር ኪሎ ሜትር መሬት ንስዑድ ዓረብ ሂባታ።

ካልአይቲ ብስምምዕነት በሪ ባሕሪ ዝረኸበት ሃገር ቦሊቪያ እንትትከውን፤ እዛ ሃገር ካብ ገማግም ባሕሪ 160 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ ነይራ።

ቦሊቪያ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን በሪ ባሕራ ብቺሊ ድሕሪ ምውሳዱ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1992 ምስ ፔሩ ቦሊቪያማር ተባሂሉ ብዝፍለጥ ስምምዕነት ን99 ዓመት ብሊዝ በሪ ባሕሪ ገማግም ባሕሪን ክትረክብ ክኢላ።

ቦሊቪያ ኣብቲ ዝረኸበቶ መውጽኢ ባሕርን ገማግም ባሕርን፣ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ናይ ጉምሩክ ትካል፣ ከምኡ ውን ማእከል ባሕራዊ ሓይላ ብምህናጽ እናተጠቐመትሉ ትርከብ።

ጥያቄ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመሰረታዊነት ብፖለቲካዊ ሽርሒን ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲን ዝተወስደላ ንብረት ብሰላማዊን ዲፕሎማስያዊን መገዲ ናይ ምምላስ ጉዳይ እዩ።

እዚ ሕጋዊ፣ ፍትሓዊን ናይ ህልውናን ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝረክብ ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ተወለድቲ ኢትዮጵያን ብሓደ ድምፂ ጠጠው ብምባል ግቡእ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ።

ብቴዎድሮስ ሳህለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.