በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት “ኢሬቻ ንብሄራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ኦሮሚያ በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት “ኢሬቻ ንብሄራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ኢዩ ኢሉ።
ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ 2019 ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ሓላፊት ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ኦሮሚያ ጀሚላ ሲምቢሩ ኣብት እዋን ከምዝበለኦ፤ እቲ በዓል “ኢሬቻ ንብሄራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ።
ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃን ድሕሪ ምክያዳ ዝኽበር በዓል ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምሕባር፤ መኽበሪ ኢሬቻ መልካታት ናብ ዝነበሩሉ ንምምላስ ብዝተሰርሐ ስራሕ ቁፅሪ መልካታት ብዕፅፊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ ኢሬቻ ሆረ ብተወሳኺ መኽበሪ ኢሬቻ ቱሉ መልካታት ናብ ዝነበሩዎ ኩነታት ንምምላስ ከምዝስራሕ ኣመልኪተን።
እቲ ቢሮ ካብ ኢሬቻ ወፃእ ዘለዉ ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ንምዕባይ መፅናዕቲን ምርምርን ምስ ዝገብሩ ኣካላት ዝገብሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣብሪሀን።
ስርዓት ገዳ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክኣቱ ምኽኣሉ ከምኡ እውን ትካላዊ ሓድጊ ቡሳ ጎኖፋ ካብ ባህሊ ኦሮሞ ከምዝተረኸቡ ኣዘኻኺረን።
ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም