Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ሓላፊት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ሾይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ህዝብታት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 7ይ ዘበነ ስራሕ 1ይ ዓመት 1ይ ስሩዕ ጉባኤ ንወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ሓላፊት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ሾይሙ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ንኣይተ ይስሃቅ ኣብርሃም ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ብምግባር ሾይሙ።

እቶም ሓዱሽ ኣፈ ጉባኤ ንምውፃእ ሕጊ፣ ምቁፅፃርን ስራሕቲ ዘተን እቲ ቤት ምኽሪ ብምምራሕ፤ ንዝቕፅል ዘበነ ስራሕ ሓላፍነቱ ክዋፃእ እዩ ዝብል ትፅቢት ዘሎ እንትኸውን፤ ሎሚ ድማ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ብምቕራብ ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

ካብዚ ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ጋትሏክ ሮን (ዶ/ር) ምክትል ሓላፊ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ሰይሙ።

ጋትሏክ ሮን (ዶ/ር) ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ቀሪቦም ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.