Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ረብሓን መስመር ሉኣላዊነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ውሽጣዊን ደጋዊን ፈተናታት ኣተኣናጊዳ እያ፤ እንተኾነ ግን እዞም ፈተናታት ብፅንዓት ክትሰግሮም ዝኸኣለት ብፍቕሪ ሃገር ህዝባን ሓቢርካ ጠጠው ናይ ምባል ብርቱዕ ተግባርን እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ሚኢቲ ሚልየን ናይ ቁርፂ እዋን ደቃ፤ ኣደ ብርቱዕ ቀላፅም ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ብናይ ሰፈር ጎበዝ ክትሰበር ትኽእል ሃገር ኣይኮነትን።

ታሪኽ ከም ዝነግረና ኲናት ዓድዋ ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ገዛእቲ ንሕድሕዶም ዘይተሰማምዑሎም ጉዳያት ከምኡ እውን ምስ መሪሕነት ሃገር ዝነበሮም ዘይምስዕማዓት ብዙሓት ነይሮም።

እንተኾነ ግን ፀላኢ ንኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ኣብ ዝመፅአሉ እዋን ነቲ ውሽጣዊ ጎንፂን ዘይምስዕማዕን ንግዚኡ ንድሕሪት ብምግዳፍ ኩሎም ብሓድነት ወፂኦም፤ ንፀላኢ እውን ስዒሮምዎ።

እዚ ዘርእየና ሉኣላዊነት ሃገር ክኽበር መሰረቱ ሓድነትን ኣብ ዝኾነ ኩነታት እውን ረብሓ ሃገር ካብ ገዛእ ርእስኻ ኣቐዲምካ ምስራዕን ምዃኑ እዩ።

ኣቦታትና ብውሽጣዊ ዘይምስዕማዕ ተጠቒሞም ሃገር ንድሕሪት እንተዝገድፍዋ፤ በብውልቆም እንተዝቖሙ፣ ከምኡ’ውን ምስ ፀላኢ እንተዝተሓባበሩ ነይሮም፤ እዛ ሎሚ እንርእያ ናፅነታ ዝተኸበረን ዝተፈርሐትን ንኣፍሪካውያን ኣርኣያ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣይምሃለወትን።

ንኢትዮጵያ ዝሓልዩ ብዝመስሉ ኩሎም እምነት ካብ ምግባርን ሓቢርካ ካብ ምስራሕን ቅድሚ ምጅማር ንሃገር ዘለዎም ሓቀኛ ሓልዮት ብግቡእ ምምርማር ይግባእ።

ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ “ናይ ፀላኢየይ ጠላኢ ፈታውየይ እዩ” ብዝብል መትከል ሃገራት ሃገራዊ ረብሐአን መሰረት ብምግባር ይጥቀማሉ እየን፤ እንተኾነ ግን እዚ ሃገር ናብ ምጥፋእን ውድቀትን ኣብ ዘምርሑ ጉዳያት ክውዕል ኣይግበኦን።

ኣብ ሓቀኛ ዕላማ ዘይተመስረተ፣ ሃገራዊ ረብሓን ሉዓላዊነትን ሃገር ዘየቐደመ ኣካይዳ ኣብ መወዳእታ ሃገር ንኸቢድ ጉድኣት ዘቃልዕ እዩ።

ነዚ ከም ኣብነት እንትንርኢ ከም ሊብያን ሶርያን ዝበላ ሃገራት እንተፀሪሕና፤ ንሉኣላዊነት ሃገር ዋጋ ካብ ምሃብ ኣቐዲሙ ንፅባሕ ብዘይምሕሳብ ብዝተኻየደ ኣካይዳን ዝሓልዩ ብዝመስሉ ኣካላት ብዝተገብረ ምትሕብባርን ሎሚ ኣብ ዘለዋሉ ኩነታት በፀሐን ኣለዋ።

ስለዝኾነ ድማ ናይ ፀላኢኻ ፀላኢ ኩሉ ግዘ መሓዛ ኣይኸውንን፤ እኳደኣስ ተኸቢሩ ዝፀንሐ መንነትን ሓድነትን ከፍሽልን ክበታትንን ዝመፅአ ፈታዊ ዝመስል ፀላኢ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ።

ብቤተልሄም ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.