ብልፅግና ስልጣን መንግስቲ ሒዘ ኢሉ ብኻሊእ መገዲ ስልጣኑ ንምቕፃል ኣይሰርሕን – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብልፅግና ስልጣን መንግስቲ ሒዘ ኢሉ ብኻሊእ መገዲ ስልጣኑ ንምቕፃል ኣይሰርሕን ኢለን ከንቲባ ርእሰ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ኣመራርሓን ደገፍቲን እቲ ፓርቲ ተረኺቦም።
እቲ ፓርቲ ቦርድ መረፃ ብዘውፀኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ጎስጓስ መረፃ እናካየደ ፀኒሑ ሎሚ መዓልቲ መዛዘሚ እናካየደ ይርከብ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ከምዝበለኦ÷ ኣባላትን ደገፍቲን ብልፅግና ንምምራፅ ብምስንዳእ ብመረፃ ጥራሕ ስልጣን ምሓዝ ከምዝከኣል ኣመስኪሮም።
እቲ ከይዲ ዝተረጋገአ ስነ ምህዳር ፓለቲካ ከምዘርኢ እውን ሓቢረን።
ስልጣን ብሓይሊ ዝርከብ ወይ እውን ከም ቀረመት እንከፋፈሎ ዘይኮነስ ህዝቢ ብድምፁ ዝወሃብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
መረፃ ዴሞክራሲያዊነትፃርግጋፅን ስራሕቲ ልምዓት ክቕፅሉ ንምግባርን ዘኽእል ከምዝኾነን ኣብሪሀን።
ብልፅግና ስልጣን መንግስቲ ሒዘ ኢሉ ብኻሊእ መገዲ ስልጣኑ ክቕፅል ንምግባር ከምዘይሰርሕ እውን ኣመልኪተን።
እቲ ፓርቲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለዎ ጉዕዞ ሓሳቡ ብክትዕ መረፃን ብዝተፈላለዩ መገዲታትን ናብ ህዝቢ እናቕረበ ምፅንሑ ኣዘኻኺረን።
ብእዮናዳብ ኣንዷለም