ብማዕበል ኣባይ ዝተናወፀ ፖለቲካ ካይሮ፡ “ዲፕሎማሲ” ኣል-ሲሲ ወይስ ላግጺ?
ዓቢ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝቢ፣ ዓብዪ ራኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሁራን ታሪኽን ተንተንቲ ዓለም ለኸ ርክባትን ከም ዝሰማምዑሉ፣ መራሒ ሓንቲ ሃገር ውሽጣዊ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው እንትበርቲዑዎ ትኹረት ህዝቢ ንምልዋጥ ዝጥቀመሉ ቀሊል መገዲ ናይ ወፃኢፃላኢ ምፍጣር ወይ ድማ ነባራዊ ኣጀንዳታት ምብእኣስ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓዱሽ ርእሰ ከተማ ኣስተዳደር ግብፂ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፕሬዚዳንት ዓብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ዘስምዕዎ መደረ እውን ካብዚ ልሙድ ፖለቲካዊ ድራማ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ግብፂ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃን ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካኣን ካብ ዝኣተወቶ መዓሙቕ ንምውፃእ፤ ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከም መውፅኢ በሪ ክትጥቀመሉ ፀኒሓ እያ። ይኹን እምበር መምርሒ ብሄራዊ ረብሓን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ከይተናወፀ ቀፂሉ ኣሎ።
ፕሬዚደንት ኣል-ሲሲ ኣብ መደረኦም፤ ግብፂ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ዞባዊ ዘይምርግጋዕ ጥራሕ ካብ መስመር ባሕሪ ሱዊዝ 20 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝሰኣነት ገሊፆም።
ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ጎንፂ ጋዛን ኣብ ኢኮኖሚኣ ዘሕደሮ ፅልዋ እውን ዘርዚሮም። ይኹን እምበር እዚ ኩሉ ውሽጣዊ ኢኮኖሚያዊ ውድቀትን ቅርታ ህዝቢን ንምሽፋን፣ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝጀመረት ግብፂ ኣብ መንጎ 2011ን 2013ን ዘጋጠማ ውሽጣዊ ዘይምርግጋዕን ቅልውላውን ምስ ህንፀት እቲ ግድብ ብምትእስሳር ጠንቂ እቲ ፀገም ናብ ደገ ንምዛር ፈቲኖም። እዚ ውሽጣዊ ወጥሪ ናብ ደገ ናይ ምዛር ሜላ፣ ሰብ መዚ ካይሮ ፀገም ናብራ ህዝቦም ክፈትሑ ኣብ ዝፅገሙሉ እዋን ዝጥቀሙሉ ልሙድ ካርዲ ምዃኑ ዝፍለጥ ምስጢር እዩ።
ኣብ መንጎ እዚ ሚድያታትን ሓለፍቲን ግብፂ ሃገሮም ንሩባ ኣባይ “ዲፕሎማሲያዊን ሰላማወን ፍታሕ” ቀዳምነት ከም እትህብ ብተደጋጋሚ ይዛረቡ። ይኹን እምበር፣ እዚ “ዲፕሎማሲ” ካይሮ ዝብሎ ቃል ባዕሉ ፖለቲካዊ ላግጺ ዝመስል፣ ብተግባር ግን ክሳብ ሕዚ ስምምዓት ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብፅሒት ማይ ብምጥባቕ መሰል ካልኦት ተፋሰስ ሃገራት ንምግዳብ ዝግበር ነባር ኣተሓሳስባ ስለ ዘንፀባርቕ እዩ።
ግብፂ ብሓደ ወገን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ናይ ሰላም ተኻታዒት መሲላ ክትረአ እኳ እንተፈተነት፣ ብኻልእ መዳይ ግን ፍልፍል እቲ ሩባ ዝሓዘት ኢትዮጵያ ዘለዋ ፍትሓዊ መሰል ክትቅበል ዘይምድላያ፣ ትርጉም “ዲፕሎማሲ” ኣብ መዝገበ ቃላት ካይሮ ድሌትካ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንምፅዓን ምዃኑ የርኢ።
ግብፂ ውሽጣዊ ቅልውላዋ ንምሽፋን ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ትያትር እኳ እንተሰርሐት ቅዋም ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ግልፂ፣ ፅኑዕን ኣብ መምርሒ ዝተመስረተን እዩ። ኢትዮጵያ ተፈጥሮ ሃፍታ ናይ ምጥቃም መሰላ ካብ ዝኾነ ሓይሊ ፍቓድ ዘየድልዮ ብሄራዊ ረብሓኣ ምዃኑ ብተግባር ኣርእያ እያ። ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰን መስርሕ ምምላእ ማይን ብምሉኡ ንኻልኦት ሃገራት ተፋሰስ ከይጎድአ ኣብ ዓለም ለኸ መምርሒ ፍትሓውነት ብምምርኳስን ንኣፍሪካ ብርሃንን ልምዓትን ንምምጻእ ብዝምነ ራኢን እዩ ተኻይዱ።
ካይሮ ክሳብ ክንደይ ብስም ዲፕሎማሲ ናይ ቃላት ኲናት እኳ እንተወለዐት፣ ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝጀመሩዎ ጉዕዞ ልምዓት ብዓወት ዛዚሞም፣ መምርሒ ፍትሓዊ ተረባሕነት ኣብ ሩባ ኣባይ ክነግስ ገይሮም እዮም። ማዕበል ፖለቲካ ካይሮን ሜላታት መሕብኢ ውሽጣዊ ወጥሪን፣ ዘይናወፅ ሉኣላዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ንምጥቃም ክዕንቅፍዎ ኣይኽእሉን።
ብሃይለኢየሱስ መኮንን