Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ መዕደሊ ነዳዲ ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ መዕደሊ ነዳዲ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት ተመሊሶም።

እቶም መዕደሊ ነዳዲ ናብ ስሩዕ ስራሕ ምምላሶም፤ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ተጠቀምቲ ነዳዲ ዘጋጥም ፀገም ቀረብ ንምቅላል ከምዝሕግዝ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ስጉምቲ ኣብ ከይዲ ቀረብን ምክፍፋልን ነዳዲ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓታት ንምቁፅፃርን ንምእራምን እውን ኣበርክቶ ዝገብር እዩ።

ተበፃሒን ዝተረጋገፀን ቀረብ ነዳዲ ምርግጋፅ፣ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ካብ ምቅላል ሓሊፉ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ንምጥንኻር ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.