Fana: At a Speed of Life!

ብፅሒት ትራንስፖርት ባቡር ናብ 17 ሚኢታዊ ክብ ከብል ክኢሉ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ትራንስፖርት ባቡር ንምስፋሕ ብዝተገበረ ፃዕሪ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎ ብፅሒት 17 ሚኢታዊ ክብ ምባል ተኻኢሉ ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ገምጋም ኣፈፃፅማ ሳልሳይ 100 መዓልቲታትን ትሽዓተ ኣዋርሕን በጀት ዓመት 2018 ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብድሃብ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 6 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፀዕነት ንምጉዕዓዝ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ብምሕባር ብመሰረት እዚ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ካብ 15 ሚኢታዊ ሓሊፉ ዘይፈልጥ ብፅሒት ትራንስፖርት ባቡር፣ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 17 ሚኢታዊ ምብፃሕ ዝተኽኣለ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ብፅሒት ተሽከርከርቲ እናነከየ ይርከብ ኢሎም።

ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ናብ ሃገር ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ዝሕደስ ሓይሊ ዝጥቀማ ክኾና እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ቁፅሪ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ከቢድ ናይ ፅዕነትን ናይ ህዝቢን መመላለስቲ ተሽከርከርቲ ተጠቀምቲ ተፈጥሮ ጋዝ ከምዝኾኑ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኤሌክትሪክ ዝጥቀማ ከበድቲ መኻይን ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዝጀመራ ብምግላፅ፥ ተፈጥሮ ጋዝ ዝፅቀማ ተሽከርከርቲ ዕድጊት እናተወገነ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣሰራርሓ ንምዝማን ብዝተሰርሐ ስራሕ ትሽዓተ ሲስተማት ብምልማዕ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምግላፅ፥ መቆፃፀሪ ስርዓት ናይ ፅዕነት ምንቅስቓስ ከምዝተተግበረ ኣልዒሎም።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.