Fana: At a Speed of Life!

ታሪፍ ትራንስፖርት ብዝተወሰነ መሰረት ንኽቕፅል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ታሪፍ ትራንስፖርት ብዝተወሰነ መሰረት ጥራሕ ንኽቕፅል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ትራንስፖርት ናብ ስሩዕ ኩነታት ምምላሱ ንምፍላጥ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ጎንፂ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ልዑል ፅዕንቶ አሕዲሩ ዋጋ ነዳዲን ዝቕባበን ኣብ ቀረብ ምትእጉጓል ክፍጠር ገይሩ ኢዩ ኢሉ።

እዘ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዕለታዊ ቀረብ ናፍጣ ካብ 9 ሚሊየን ሊትሮ ናብ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትር ክንኪ ብምግባር ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝፍለጡ ምትእጉጓላት ኣስዒቡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ እዚ ፀገም ብቕልጡፍ ንምፍታሕን ንምቁፅፃርን መመሓየሺ ታሪፍ፣ ኣወራድባ ቀረብ ምምሕያሽን ምውዳድ ሎጂስቲክስ ምጥንኻር ሓዊሱ ብዙሕ ህፁፅን ዘላቐን ስጉምቲታት ምውሳዱ ኣመልኪቱ።

ሎሚ መዓልቲ ሚኒስቴር ገንዘብ ብዕሊ ከምዘፍለጦ ቀረብ ነዳዲ ናብ ስሩዕ ኩነታት ተመሊሱ ኣሎ ዝበለ እቲ ሚኒስቴር÷ እዚ ኩነታት ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ዝተፈጠሩ ምትእጉጓላት ብቕልጡፍ ንኽፍትሑ ዘኽእል ኢዩ እውን ኢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.