ንለውጢ ክሊማ ሓባራዊን ቅልጡፍን ምላሽ ምሃብ የድሊ – ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንለውጢ ክሊማ ሓባራዊን ቅልጡፍን ምላሽ ምሃብ የድሊ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ።
እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ኮፕ31 ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ምልቃቕ ካርበንን ወሰኽ ሙቐትን ከምኡ እውን ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ እናተጋደዱ ዝመፅኡ ሓደጋታትን ንዓለም ይፍትንዋ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ጉድኣት ለውጢ ክሊማ ምስ ድልውነት ሃገራት ምስ ዓቕሚ ዝህበኦ ምላሽ ከምዘይሳነ ብምግላፅ፤ ሃገራት ንለውጢ ክሊማ ምላሽ ንመሃብ ዘርአየኦ ሸለልትነት ንዓለም ኣብ ሓደጋ የእትዋ ኣሎ ኢሎም።
መፅናዕትታት ኢድና ንኽንህብ ዘይኮነስ ንኽንቃለስ እዮም ዝነግሩና ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ሃገራት ንምክልኻል ለውጢ ክሊማ ዝኣተወኦ ስምምዕነት ከኽብራን ሓደሽቲ ኣማራፅታት ፖሊሲ ክትግብራን ከም ዘለወን ኣፅንኦት ሂቦም።
ብፍላይ ነዳዲ ቅሪተ ኣካላት ኣብ ክሊማ ከቢድ ጉድኣት የብፅሑ ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ መንግስታት ኣብ ኩባንያታት ነዳዲ ቅሪተ ኣካላት ልዑል ግብሪ ክንበር ሓቲቶም።
ነዳዲ ቅሪተ ኣካላት ክውገድ ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ መንግስታት ኣብ ምፍራይ ነዳዲን ጋዝን ገደብ ክገብራ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA
ብሚኪያስ ኣየለ