Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዞባዊ ምርግጋእ ንምዕሳል ብቖራፅነት ትሰርሕ ኣላ – ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዞባዊ ምርግጋእ ንምዕሳል ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ ኢሉ ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ሲሳይ ቶላ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ምክትል ዳይሬክተር ብምክትል ሓጋዚ ሚኒስትር ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን መንግስቲ ኣሜሪካ ማርክ ሚቸል ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንዝዋፈሩሎም ዝኾኑ ይኹኑ ዓውዲታት ስራሕ ዘተኣማምን ምህዳር ድሕንነትን ፀፅታን ንኽፍጠር ዝሕግዝ ምውፋር እናወገነ ከምዝኾነ እቶም ምክትል ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብሪሆም፡፡

በቢእዋኑ እናጋጠሙ ዝነበሩ ስግኣታት ፀፅታ ብምውጋድ ኣብ መላእ ከባቢታት እታ ሃገር ድሕንነትን ሰላምን ናይ ምርግጋፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዞባዊ ምርግጋእ ንምዕሳል ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበሩ ስትራቴጂታት ብምሕንፃፅ ቆራፅ ዝኾነ ቅዋም ብመሓዝ እናተተግበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብዚ መዳይ ዘለዎ ድሉውነት ሓቢሮም፡፡

ማርክ ሚቸል ብግደኦም፤ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጂክ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዋ ቆራፅነት ከምዘረጋገፁ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.