ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝመፅኡ ዓለም ለኸ ክሲታት ምምካት ተኻኢሉ – ሃና ኣርኣያስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም)ውፅኢታዊነት ስርዓት ፍትሒ ብምዕባይ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝመፅኡ ዓለም ለኸ ክሲታት ምምካት ተኻኢሉ ኢለን ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሴ፡፡
ገምጋም ኣፈፃፅማ ሳልሳይ 100 መዓልቲታትን ትሽዓተ ኣዋርሕን በጀት ዓመት 2018 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።
እተን ሚኒስትር እቲ መድረኽ ኣመልኪተን ኣበ ዝሃበኦ መብርሂ፤ ውፅኢታውነትን ሰለጤንን ስርዓት ፍትሒ ምዕባይ ተኻኢሉ ኢለን።
ዓውዲ ፍትሒ ቅድሊ ለውጢ መሰረታዊ ዝበሃሉ ፀገማት ከምዝነበሩዎ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እዚ ንምፍታሕ ብዙሓት መመሓየሺታት ሕጊ ከምዝተገበሩ ተዛሪበን።
እቲ መመሓየሺ ኣብ ትካላት ካብ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ ክኸውን ኣኽኢሉ ኢለን።
ተበፃሕነት ፍትሒ ኣብ ምዕዋት ባህላዊ ከይዲታት ኣወሃህባ ፍርዲ ብሕጊ ኣፍልጦ ክረኽቡ ምግባር ምኽኣሉ ሓደ ተፀራሒ ዓወት ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ሓዱሽ ስትራቴጂ ፍትሒ ብምውፃእ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ኣብ ምሕደራ ገበንን ፍትሒን ዝመፅአ ለውጢ ብመርአያነት ፀሪሐን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝመፅኡ ክሲታት ብውፅኢታውነት ምምካት ተኻኢሉ ኢለን።
ብሶስና ኣለማየሁ