ኣብ ስዑዲ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 2 ሺሕን 494 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 2 ሺሕን 494 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ማሕበራዊ ጉዳይን ደቂ ኣንስትዮን ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሰሙን ብዝተኻየዱ 12 ዙር በረራታት ዝተመልሱ 2 ሺሕን 312 ደቂ ተባዕትዮ፣ 163 ደቂ ኣንስትዮን 19 ህፃናትን ፃትኾኑ፤ ካብ ሞንጎ ተመለስቲ እቶም 189 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ይርከቡዎም።
5 መስከረም 2018 ዓ.ም ዝጀመረ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሳብ ሕዚ፤ ልዕሊ 96 ሺሕን 500 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር ክምለሱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምክልኻል ካብ ዝግበር ፃዕሪ ብተወሳኺ ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን መፅንሒ ማእኸላትን ግቡእ ክትትልን ሓገዝን ናይ ምግባር ከምኡ እውን ምስ ስድረኦም ንኽፅንበሩ ምግባር ምስ ዝምልከቶም ተሳተፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።