Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ምስ ኩሎም ሓይሊታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክንቀሳቐስ ኢየ – ኢዜማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ምስ ኩሎም ሓይሊታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክንቀሳቐስ ኢየ ኢሉ።

እቲ ፓርቲ ውፅኢት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ መረፃ ብዓወት ብምዝዛሙ እንኳዕ ደስ በለና ኢሉ።

ኢዜማ ናብ ውድድር ኣብ ዝቐረበሎም ቦታታት 13 ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን 73 ናይ ክልልን ምምሕዳር ከተማን ወናብር ብድምር 86 መቐመጢ ብምርካብ ብብርኪ ሃገር ቀዳማይ ተናሓናሒ ፓርቲ ኮይኑ ምዝዛሙ እውን ገሊፁ።

እዚ ጭቡጥ ዓወት ንዘመዝገቡ ሕፁያት እቲ ፓርቲ፣ ኣባላት፣ ደገፍቲን ኣብቲ ከይዲ ብ  ቕንዕና ንዝተሳተፉ ኣካላትን ምልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣምሓላሊፉ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ምስ ኩሎም ሓይሊታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ከምዝንቀሳቐስ ዝገለፀ እቲ ፓርቲ፤ ኣፈላላያት ብጭዋነት ብምንፅብራቕ ዝጀመሮ ዘበናዊ ባህሊ ፖለቲካ ንምዕባይን ንተወሳኺ ዓወትን ከምዝዳሎ ቃል ኣቲዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.