Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቬንዙዌላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 235 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቬንዙዌላ ከተማ ካራካስን ግዝኣት ላ ጓይራን ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ቁፅሪ መወትቲ 235 በፂሑ፡፡

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ኣብ ዝፈራረሱ ገዛውቲ ዝርከቡ ሰባት ናይ ምትእልላሽን ስራሕቲ መድሕን ህይወትን ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ተገሊፁ፡፡

7 ነጥቢ 2 ን 7 ነጥቢ 5 ን ሬክትር ስኬል ኣብ ዝተመዝገበ እቲ ሓደጋ ርዕደ መሬት ክሳብ ሕዚ 235 ሰባት እንትሞቱ፤ 4 ሺሕን 300 ሰባት ድማ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወደብ ከተማ ዝኾነት ላ ጓይራ 250 መንበሪ ኣባይቲ በቲ ሓደጋ ከምዝዓነዉ ተገሊፁ፡፡

በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ክውስኽ ከምዝኽእል እንትግለፅ፥ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ሓደጋ ንምርሓቕ ከባቢኦም ሓዲጎም እናወፅኡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ጊዜያዊ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዴልሲ ሮድሪጌዝ ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ህፁፅ ኣዋጅ መድሕን ህይወት ብምእዋጅ ሃገራት ድጋፍ ንኽገብራ ፀዊዐን፡፡

ኣሜሪካ 150 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ዝኣተወት እንትትከውን፥ እቲ ስራሕቲ መድሕን ህይወት ንምሕጋዝ ጉጅለ መድሕን ህይወት ናብ ካራካስ ምልኣኻ ኣፍሊጣ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.