ኣብ ቻይና ፋብሪካ ርችት ብዘጋጠመ ፍንጀራ ህይወት 26 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቻይና ከተማ ሊዩያንግ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ርችት ብዘጋጠመ ፍንጀራ ህይወት 26 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 61 ድማ ከምዝቆሰሉ ተሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ፍንጀራ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ይካየድ ከምዝነበረን ብምሕባር፤ ሰብመዚ 3 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ዝርከቡ ነበርቲ እቲ ፋብሪካ ክወፁ ከምዝኣዘዙ ይግለፅ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ 1500 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ብኣኽላባትን ሮቦታትን ተሓጊዞም 7 ሰባት ብህይወት ካብቲ ፍርስራስ ምድሓን ከምዝኽኣሉ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ÷ ነቶም ግዳያት ንምድሓን ኩለመዳያዊ ፃዕሪ ክካየድ ከምኡ እውን መንቀሊ እቲ ሓደጋ ክምርመርን ኣብ ልዕሊ ተሓተትቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን ኣተሓሳሲቦም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ