ኣብ ኣጀንዳታት ጉዳያት ሃይማኖትን ህንፀት ሰላምን ተዛተይቲ ኣብ ስምምዕ በፂሖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተዛተይቲ ኣብ ኣጀንዳታት ጉዳያት ሃይማኖትን ህንፀት ሰላምን ዘቕረቡዎም ምኽረ ሓሳባት ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ።
እቲ ኮሚሽን ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈለዩ ሸሞንተ ኣጀንዳታት ምኽክር እናተገበረ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።
እቶም ኣጀንዳታት 500 ኣባላት ኣብ ዘለዉዎም 8 ጉጅለታት ስራሕ ዘተ እናተገብረሎም እንትኾኑ፤ ብመሰረት ሜላ ኣሰራርሓ እቲ ኮሚሽን፤ 500 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ኣብ ሓደ ኣጀንዳ እናተዛተየ ይርከብ።
በዚ ድማ ኣብ ኣጀንዳታት ጉዳያት ሃይማኖትን ህንፀት ሰላምን እናተዛተየ ዝፀንሑ ክልተ ጉጅለታት ሎሚ መዓልቲ 5 ነሓሰ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተጠናኸሩ ምኽረ ሓሳባት ብምስምዕማዕ ኣብ ዝተሰናደአ ቃለ ጉባኤ ተፈራሪሞም።
ተዛተይቲ ካልኦት ኣጀንዳታት እውን ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ብተመሳሳሊ ኩነታት ሓሳባት ኣጀንዳታቶም ሓባራዊ ብምግባርን ኣብ ቃለ ጉባኤታቶም ብምፍርራምን ኣብ ስምምዕነት ክበፅሑ ትፅቢት ከም ዘሎ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።