ኣብ እዋን ኲናት መቕደላ ብብሪጣንያ ዝተወሰዱ ቅርስታት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ እዋን ኲናት መቕደላ ብብሪታኒያ ዝተወሰዱ ቅርስታት ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።
እቶም ድሕሪ 158 ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ እቶም ቅርስታት ቁንዳል ፀጉሪ፣ ቁራፅ ክዳንን ወርቂ ኣምባርን ሃፀይ ቴዎድሮስ ምዃኑ ተገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕቃበ ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው፤ እቶም ቅርስታት ኣካል ናይቲ ታሪኻውን ባህላውን ቅርስታት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ምዃኑ ገሊፆም።
እዞም ንነዊሕ እዋን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝፀንሑ ቅርስታት፤ ጥንታዊ ስልጣነን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ዘርእዩ ዓበይቲ ታሪኻዊ መሰኻኽር እዮም ኢሎም፡፡
ምምላስ እቶም ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ዋንነትን ዲፕሎማስያዊ ዓወትን ከም ዓብዪ ምዕራፍ ከምዝቑፀር እውን ተገሊፁ።
ብግዛቸው ግርማዬ