Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ኩለን ሙዚየማት ንበፃሕቲ ብናፃ ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ሙዚየም ምኽንያት ብምግባር 10 ግንቦት 2018 ዓ.ም ኩሎም ሙዚየማት ንበፃሕቲ ብናፃ ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም ኢሉ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሙዚየም “ሙዚየማት ዝተኸፋፈለ ዓለም የተኣሳስሩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዓለም ንመበል 49 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ን4ይ ግዘ ክኽበር ኢዩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣበባው ኣያሌው ከምዝበሉዎ÷ ድሕሪ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገርና እናተርኣየ ዝርከብ ዓውዲ ቱሪዝም ምንቕቓሕ ብዙሓት ሙዚየማት ንኽህነፁ ኣኽኢሉ፡፡

ሙዚየማት ሓበራዊ ዝኾኑ ክብሪታት ብምርኣይ ኣፈላላያት ንምፅባብን ሓበራዊ ያታ ንምፍጣርን ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዮሴፍ ቤኮ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሒደት ናይ ዓወት ዝኽሪታት ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ዕለት እንትኽበር ኣቦታትና ብሓድነትን ብምትእስሳርን ዘምፅኡዎ ዓወት ብምዝካር ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡

ብመቅደስ የኔሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.