ኣዛተይቲ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ንኹሉ ኢትዮጵያውያን ዘይሻራዊ ክኾኑ ኣለዎም – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዛተይቲ (ኣማኸርቲ) ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዘይሻራዊ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፡፡
እቲ ኮሚሽን ንኣዛተይቲ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝተዳለወ ቀዳማይ ዙር ናይ ግንዛበ ምዕባይ ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ።
መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣሕሊፉ ርኢቶ ኢትዮጵያውያን ብውሽጥን ብደገን ከተኣኻኽብ ፀኒሑ።
እዚ ፃዕሪ ዝተገበረሉ ስራሕ ዕውት ዝኸውን ዝመፅእ ሃገራዊ ምኽክር ጉባኤ ብዓወት እንትካየድ እዩ ብምባል፤እቲ ከይዲ ንኽዕወት ድማ ተራ ኣማኸርቲ ልዑል ምዃኑን ገሊፆም።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣማኸርቲ ብዘይሻራዊ መንገዲ ብምምራሕ ሓላፊነቶም ብግቡእ ክዋፅኡን ድልዋት ክኾን ኣገንዚቦም፡፡
ኣብቲ ስልጠና ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተመርፁ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣማኸርቲ ተሳቲፎም።