ኣይተ ክርስቲያን ታደለ ሓዊሱ ልዕሊ 600 እሱራት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣይተ ክርስቲያን ታደለ ሓዊሱ ልዕሊ 600 እሱራት ብይቕረታን ክሶም ብምቁራፅን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም።
ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ፈቲኖም ብዝብል ተኣሲሮም ዝነበሩ ውለቀሰባት ንኽፍትሑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ንዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ ኣፍሊጡ።
ብውሳነ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ብይቕረታ፣ ኣብ መስርሕ ክሲ ዝነበሩ ድማ ክሶም ክቋረፅ ብምግባር፣ ልዕሊ 600 እሱራት ሎሚ መዓልቲ ንኽፍትሑ ከም ዝተገበረ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ኣዴሎ ገሊፆም።
እዚ ቁፅሪ ክልላት ብርእሰን ዝፈትሐኦም እሱራት ወፃእ ምዃኑ ዝተገሊፀ እንትኸውን፤ እቶም ዝተፈትሑ እሱራት ድማ ካብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብብርኪ ፌደራል ተኣሲሮም ዝነበሩ ምዃኖም ተመልኪቱ።
ብግዛቸው ግርማዬ