ኣዲስ ኣበባ፤ ብዲፕሎማሲ ዝደመቐት ከተማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ዓለም ለኻዊ ምስላ ዝኾኑ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት መድረኻት እናተኣናገደት ትርከብ።
በቢዓመቱ መራሕቲ ዓለም፣ ፍሉጣት ዲፕሎማሰኛታት፣ ተመራመርቲን ሰብ ሞያ ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ዝውሕዙላ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብዓወት ብምትእንጋድ ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ፣ ዘተኣማምን ሰላማን ዕቤት ኮንፈረንስ ቱሪዝማን ንዓለም ክተርኢ ክኢላ እያ።
እታ ከተማ ቀዋሚት መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንገስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ብምዃና፤ ንመፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ዝውስኑ ታሪኻዊ ውሳነታት ዝተኣናገዱላ ቦታ ኮይና ኣላ።
በቢዓመቱ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ብመሪሕነት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታትን ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ዝካየድ ዓመታዊ ሓባራዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን እታ ከተማ ዘለዋ ልዑል ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ዲፕሎማሲያዊ ተሰማዕነት ብተግባር ዘረጋገፁ መድረኻት እዮም።
እታ ከተማ ኣብ ታሪኻ ካብ ዘተኣናገደቶም ዓበይቲ መድረኻት ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ለካቲት 2018 ዓ.ም ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ይፅራሕ።
ብቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣልያን ጆርጂያ ሜሎኒን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ዝተመርሐን ርክብ ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዘጠናኸረን እቲ ኣኼባ፤ ውፅኢታዊነት ፕላን ማቲ ኢጣልያ ንምግምጋም ንፈለማ እዋን ካብ ኣውሮፓ ወፃእ ኣብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ጉባኤ እዩ።
እዚ ድማ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣህጉርን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃን ዘለዋ ናይ ስትራቴጂካዊ ድልድልነት ግደኣ ብዝበለፀ ዘጉልህ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።
ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብተወሳኺ፣ ኣዲስ ኣበባ ንዓለም ለኸ ንግዲ፣ ልምዓት፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ዘተታትን ቀንዲ መዕረፊት ቦታ ኮይና ተገልግል ኣላ።
ብምትሕብባር ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ስምምዕ ስደት ዓለምለኻዊ ኣህጉራዊ ኣኼባ እውን ብዓወት ኣተኣናጊዳ እያ።
ካብ ልዕሊ 46 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተዋፅኡ ልዕሊ 750 ተወከልቲ መዳርግቲ ኣካላት ትካላት ሕክምና ዝተሳተፉሉ ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ሕክምና ኣፍሪካ እውን ብዓወት ክተተኣናግድ ክኢላ።
እዞም ኣዝዮም ብዙሓት ተሳተፍቲ ዝሓዙ ዓበይቲ መድረኻት ብዓወት ንምክያድ ድማ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ጉባኤታት ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ።
ብሶስና ኣለማየሁ