Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሃገራዊ ዘተ መቀላጠፊ ፅኑዕ ህንፀት ሃገረ መንግስቲን መግለፂ ሓባራዊ ዓወትን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ሃገራዊ ዘተ መቀላጠፊ ፅኑዕ ህንፀት ሃገረ መንግስቲን መግለፂ ሓባራዊ ዓወትን እዩ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዘተ።

ተሳታፊ እቲ ጉባኤ ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣሕመድ ሓሰን ከም ዝበልዎ÷ እቲ ምኽክር ሓደ ነቲ ካልእ ድሌትን ኣረኣእያን ብግቡእ ንኽርዳእ ምቹው ኩነታት ፈጢሩ እዩ።

እቲ ጉባኤ ዜጋታት ድሌቶም ንከብርሁን ናይ ካልኦት ሓሳብ ክሰምዑ ዝኽእሉሉን ከምኡ እውን ንህንፀት ሃገር ጠቓሚን ሃናፂን ሓሳብ ዝለዓሉሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ባህሊን ልምዲን ከምዝኾነ ገሊፆም።

በምክክር ጉባዔው የኢትዮጵያን ከፍታ የሚያረጋግጡ ሀሳቦች እየመነጩ መሆኑንና ኢትዮጵያን ወደ ተሻለ ምዕራፍ ማሸጋገር የሚያስችል ስኬት እንደሚመዘገብ አስረድቷል፡፡

ኣብ መንጎ ዜጋታት ምትእምማን ንምፍጣር ዘኽእል ኣሳታፊን መካተቲን ጉባኤ ስለዝኾነ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ልዑል ረብሓ ክህልዎ እዩ እውን ኢሎም።

ካሊእ ተሳታፊ ዳይሬክተር ሕብረት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ መስዑድ ገበየሁ÷ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንዘበናት ዝፀንሑን ሱር ዝሰደዱን ፀገማት ንምፍታሕ ልዑል ስጉምቲን ዓወትን ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ሕብረት ልዕሊ 10 ተዓዘብቲ ብምምውፋር ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ብዙሃን ማሕበረሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብንጥፈት ሓሳቦም እንተልዕሉ ከምዝተዓዘበ ተዛሪቦም።

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተወከሉ ተዛተይቲ ሓሳቦም ብቋንቋኦም ብናፅነት ክገልፁን ክሰምዑን ዝኽእሉሉ ተርጎምቲ ከምዘዋፈረ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

ንቁሕ ተሳትፎ ተዛተይቲ ኣብቶም ኣጀንዳታት ሓባራዊ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ትካላዊ መፍትሒ ንምፍልፋል ልዑል ግደ ክህልዎ እዩ እውን ኢሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ዘተ ተሳትፎኡ ዝተፈላለየ ተሞክሮን ልምዲን ከምዝረኸበ ዝገለፀ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፈደረሽን መናእሰይ ኢትዮጵያ ዝኾነ መንእሰይ ዮሴፍ ኣበራ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ምኽክር ንልዕልና ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ሓሳባት እናተልዓሉ ከምዝርከቡን ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእል ዓወት ከምዝምዝገብን ኣብሪሁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.