እዚ ክረምቲ ብኸንቱ ክሓልፍ ክፍቀደሉ ዘይግባእ ዓብዪ ዕድል ሒዙ መፂኡ ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)እዚ ክረምቲ ብኸንቱ ክሓልፍ ክፍቀደሉ ዘይግባእ ዓብዪ ዕድል ሒዙ መፁኡ ኣሎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ክረምቲ ብናፃ ዝቐረበ ናይ 5 ሚልዮን ኮደርስ ስልጠና ክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
“እዚ ክረምቲ ብኸንቱ ክሓልፍ ክፍቀደሉ ዘይግባእ ዓብዪ ዕድል ሒዙ መፂኡ ኣሎ” ክብሉ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም።
ናይ 5 ሚልዮን ኮደርስ ኮርስታት ብናፃ ከምዝወሃቡ ብምሕባር፤ ዝወሃብ ወረቐት ምስክር ድማ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ቀዲሞም ከምዝተመዝገቡ ብምፅራሕ፤ ሕዚ ድማ ተራኹም እዩ ኢሎም።
መናእሰይ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ስልጠና ንምስታፍ ብethiocoders.et ክምዝገቡ ከም ዝኽእሉ እውን ገሊፆም።