ክልተ ህቡባት ስነ ጥበባውያን…
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብላቴን ሎሬት ፀጋዬ ገብረመድህንን ፀሓፊ፣ ኣሰናዳኢን ጋዜጠኛን ስብሓት ገ/እግዚአብሄር ኣብ ታሪኽ ስነ ፅሑፍ ሃገርና ፍሉጣትን ህቡባትን ዝኾኑ ናይ ስነ-ፅሑፍ ሰባት እዮም።
ክልቲኦም ኣብነት ስነ ፅሑፍ ሎሚ ብህይወት ዋላ እኳ እንተዘይሃለዉ ግዜ ዘይስዕሮ ስራሕቶም ግን ኣብ ወለዶታት ዝዝኸርን ህያው ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ኣብ 1928 ኣብ ከባቢ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝርከብ ቦባዳ ዝተባህለ ጎቦታት ከባቢ ዝተወልደ ብላቴን ሎሬት ፀጋዬ ገብረመድህን ኣብ ስነፅሑፍ ብዙሓት ግጥምታት፣ ተዋስኦታትን ፅሑፋትን ንኢትዮጵያ ኣበርኪቱ እዩ።
ካብቶም ፍሉጣት ግጥምታቱ ድማ “እሳት ወይ አበባ፣ ዓድዋ፣ መርካቶን ጴጥሮስ ያችን ሰዓትን” ተፀራሕቲ እንትኾኑ፤ ብተወሳኺ እውን “ዳኝነት፣ በልግ፣ የደም አዝመራ፣ እኔም እኮ ሰው ነኝ፣ የከርሞ ሰውን የእሾህ አክሊልን” ሓዊሱ ብዙሓት ልዕሊ 35 ተዋስኦታት ደሪሱ እዩ።
እዚ ዓብዩ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ስራሕቲ ትርጉማት እውን ዘዳለወ ኾይኑ፤ ካብቶም ናብ ኣምሓርኛ ዝተተርጉሙ ስራሕቱ ውሽጢ ድማ ሐምሌትን ማክቤዝን ተፀራሕቲ እዮም፡፡
ሎሬት ፀጋዬ ገብረ መድህን “Proud to be African” ዝተብሃለ ግጥሚ ኣብ 1986 ዓ.ም.ፈ ኣብ ነበር “ትካል ሓድነት ኣፍሪካ” ሃገራዊ መዝሙር ኮይኑ ምምራፁ ይዝኸር።
ሎሬት ፀጋዬ ብዛዕባ ህዝቢ፣ ሃገር፣ ብሓፈሻ ብዛዕባ ስልጣነ ዝኣምነሉ ሓቂ ብቕኔ ጋህዲ ዝገብር እንትኾን፤ ስርሓቱ ድማ ካብ ዕምቆት ሓሳባቱ ብተዋሳኺ ብዛዕባ ሃገሩ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ዘርእይ እዩ።
ድርሰታቱ ህርመት ልቢ ካብ ምውቃዕ ሓሊፎም ፍሉይን ዘይርሳዕን ቅዲ ግጥሙ ስልቲ ኣናብባን ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ውሽጢ ተቐሪፁ ይርከብ።
ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ካብ ስነ-ፅሑፍ ስራሕቲ ርሒቑ ዘይፈልጥ፤ ንሞያኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርአየ በዓል ውዕለታ ሃገር እንትኾን፤ ዓሚቝ ኣተሓሳስባን ዝነበሮ ሰብ ምንባሩ ብዙሓት ይምስክርሉ።
ብካልኣይ ድማ ኣብ ታሪኽ ስነ-ፅሑፍ ኢትዮጵያ ዓብዩ ዓሻራ ዘንበረ ህቡብ ሰብ ደራሲን ጋዜጠኛን ስብሓት ገ/እግዚአብሄር ተፀራሒ እዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ዓድዋ ርባ ገረድ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተወልደ ደራሲ፣ ኣሰናዳኢን ጋዜጠኛን ስብሓት ገ/እግዚአብሄር ኣብ ስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮኣዊ ቅዲ ኣፀሓሕፋኡ ፈላማይ እዩ።
ጋሽ ስብሓት ኣብ ድርሰታቱ ነቲ ዘሎን ዝርአን ክውንነት ከይወሰኸ ከይነኸየን (ከይተጋነነ ወይ ከይሸፈነ) ዝፅሕፎም ፅሑፋቱ ኣፀሓሕፋ ዘይቤ ፈረንሳዊ ኤሚል ዞላ ዝሓዘ ምኳኑ ይዝረብ።
ባህላውን ሃይማኖታውን ዶባት ሰጊሩ ብድፍረት ንተፈጥራዊ ባህርይ ወዲ ሰብን ማሕበራዊ ክውንነትን ብዘቕርብ ኣገባብ ኣፀሓሕፋ ዝፍለጥ ጋሽ ስብሓት፤ ፅሑፋቱ ቀለልቲ ቃላት ዋላ ዃ እንተኾኑ ግን ኣዝዮም ዝተራቐቑን ፍልስፍናውያንን ዝሓዘሉን እዮም።
ካብ ስብሓት ገ/እግዚአብሄር ዝፅሓፎም ፅሑፋት ውሽጢ “ትኩሳት፣ ሌቱም አይነጋልኝ፣ የፍቅር ሻማዎች፣ ስምንተኛው ጋጋታ፣ እነሆ ጀግና፣ እነሆ መንገድ” ዝተብሃሉ ይርከብዎም።
ስብሓት ቤት ማሕተም ኩራዝ ክምስረት ከሎ ከም ኣሰናዳኢ ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፤ ናይ ካርል ማርክስ ስራሕቲ ዝኾኑ ዳስ ካፒታል (Das Capital ካብ እንግሊዝኛ ናብ ኣምሓርኛ ናይ ትርጉም ስራሕቲ እውን ተሳቲፉ እዩ።
ኪነጥበብ ንማሕበረሰብ ለውጥን ሃገራዊ ምዕባለን ልዑል ዋጋ ስለዘለዎ ብምዃኑ በቲ ዝድለ ደረጃ ተበፃሒ ንምግባር ንወለዶታት ኣርኣያ ዝኾኑ ሰባት ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።
ሕዚ ዘሎ ወለዶ ናይ ባዕሉ ጅግና ንኽፈጥር ጀጋኑ ስነ ጥበባውያን ብምዝኻር ዘመን ተሳጋሪ ስራሕቲ ንወለዶ ንክሳገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ተቀሪፅሎም፡፡
ብኣመለወርቅ ደምሰው