ጀነራላት ባቫሪያን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተጣመርቲ መስማር ምጥቃዕ ባየርን ሙኒክ ሃሪ ኬን፣ ሉዊስ ዲያዝን ማይክል ኦሊሴን ኣብ ውድድራት ውሽጢ ሃገር ኣብ መድረኽ ኣውሮፓ ዘደንቕ ጉዕዞ እናገበሩ ይርከቡ፡፡
እዚ ጥምረት ባቫሪያናውያን ኣብዚ ዓመተ ውድድር ዘመዝገቡወን ሸቶታት 100 ዝበፅሓ እንትኾና÷ ተፃወትቲ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ኪሊያን ምባፔ፣ ቪኒ ጁኒየርን ቫልቬርዴን ብ71 ሸቶታት ብካልኣይ ደረጃ ይስዕባ፡፡
ብቪንሴንት ኮምፓኒ ትምራሕ ባየርን ሙኒክ ኣብ ቡንደስሊጋ ጥራሕ ክሳብ ሕዚ 116 ሸቶታት (ብማእኸላይ ኣብ ሓደ ፀወታ ልዕሊ ሰለስተ ሸቶታት) ዘመዝገበት እንትትከውን፥ ኣርባዕተ ፀወታታት እናተረፋ ሻምፒዮን እቲ ሊግ ምዃና ይፍለጥ፡፡
ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ትርከብ ጀርመናዊት ጋንታ፤ ብዘፍርሕ ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓስ ንክፍሊ ምክልኻል ተጋጠምታ ፈተና ኮይና ቀፂላ ኣላ፡፡
ኣብቲ ውድድር ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየደቶም 13 ፀወታታት ብኬን፣ ዲያዝን ኦሊሴን ትምራሕ መስመር ምጥቃዕ ባቫሪያን ኣብ ልዕሊ ተጋጠምታ 41 ተጋጠምታ ኣመዝጊባ፡፡
ባየርን ሙኒክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ መድረኽ ምስ ፒኤስጂ 5 ን 4 ኣብ ዝተሰዓረትሉ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሰለስቲኦም ተፃወትቲ ሸቶ ምምዝጋቦም ይዝከር፡፡
ኣብ ኩሎም ውድድራት ብሓባር ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ክሳብ ሕዚ 100 ሸቶታት ዘመዝገቡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚ 54 ሸቶታት ብእንግሊዛዊ ኮኸብ ሃሪ ኬን ዝተመዝገባ ኢየን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብ75 ሚሊየን ዩሮ ናይ ዝውውር ሒሳብ ካብ ሊቨርፑል ናብ ባየርን ሙኒክ ዘምረሐ ኮሎምቢያዊ ሉዊስ ዲያዝ 26 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡፡
20 ሸቶታት ዘመዝገበ ፈረንሳዊ ኮኸብ ማይክል ኦሊሴ ካብ የማናይ መስመር እናተበገሰ ካብ ዘመዝግበን ሸቶታት ብተወሳኺ ውዱኣት ኮዓሻሹ ኣመዓራርዩ ብምቕባል ወሳኒ ተፃዋቲ ምዃኑ እናርአየ ይርከብ፡፡
እዚ ጥምረት ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሓደ ውድድር ዓመት 100ን ልዕሊኡን ሸቶታት ብምምዝጋብ ሳልሳይ ጥምረት ኮይኑ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓመተ ውድድር 2015/16 ዓ.ምፈ ሊዮኔል ሜሲ፣ ሉዊስ ሱዋሬዝን ኔይማርን ኣብ ባርሴሎና 131 ከምኡ እውን ክርስቲያኖ ሮናልዶ፣ ካሪም ቤንዜማን ጋሪዝ ቤልን ኣብ ሪያል ማድሪድ ብሓባር 100 ሸቶታት ከመዝግቡ ክኢሎም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ