ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ መረፃ ዘይተገበአ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣይተርኣየን – ኢሰመኮ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ መረፃ ዘይተገበአ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣይተዓዘብኩን ኢሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)።
ብዋና ኮሚሽነር ኢሰመኮ ብርሃኑ ኣዴሎ ዝተመርሐ ጉጅለ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጣቢያታት መረፃ ኣርባምንጭን ጅማን ዘሎ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ተመልኪቶም፡፡
ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ንጉዱኣት ኣካል እውን ዝተመቻቸዉ ጣቢያታት መረፃ ተመልኪቶም።
መለክዒታት መረፃ ዘማለአ ከይዲ መረፃ ምዕዛቦም እውን ተዛሪቦም።
ከይዲ መረፃ ፍፁም ሰላማዊን ምትእጉጓልን ዘይተርኣዩዎ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እቲ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ መረፃ ዘይተገበአ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ከምዘይተመልከተ ገሊፆም።
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision