Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፥ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣፍሪካ እውን ከምእትኽእል ንዓለም እነርእየሉ ኢዩ- ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣፍሪካ እውን ምሕሳብ፣ ምትላምን ምስራሕን ከምእትኽእል ንዓለም እነርእየሉ ግዙፍ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዘለሉ ኩነታት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ’ቲ እዋን ከምዝበልዎ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ዓብዪን ብዝወፅአሉ ሃፍቲ ከምኡ ‘ውን ብዘንቀሳቕሶ ማሽነሪ ብብርኪ ኣፍሪካ ፈላማይ ኢዩ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኢሉ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ሓሳብን ሃፍቲን እኳ እንተሃለወ ፀገም ኣመራርሓ ፕሮጀክት ስለዘሎ እቶም ፕሮጀክትታት መዓዝ ተጀሚሮም መዓዝ ከምዝዛዘሙን ከመይ ቁፅፅር ከምዝግበረሎምን እኹል ግንዛበ ዘይምህላዉ ኣገንዚቦም።
ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን እዚ ዝፀንሐ ልምዳዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ምቕያር ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 8 ሺሕ ሰራሕተኛታት ከምዝርከቡን ክሳብ 4 ሺሕ ዝኾና ማሽነሪታትን መኻይንን ኣብ 30 ኪሎ ሜትሮ ራዲያስ ቀትሪን ለይቲን ከምዝንቀሳቐሳን ኣብሪሆም።
ናይ’ቲ ፕሮጀክት ምንቅስቓስ ከም ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ማለት ኢዩ ብምባል፥ ነተን ማሽናት መዓልታዊ ልዕሊ 650 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ፣ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ድማ ካብ 6 ነጥቢ 5 ክሳብ 7 ሚሊየን ሊትሮ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ኣረዲኦም።
ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ንምምራሕ ናይ ነዳዲ፣ ማሽነሪን ተሽከርካሪን ብእኹል ንምትእንጋድ ዘበናዊ ስርዓት ምዝርግሑ አወን ኣገንዚቦም።
እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ 4 ሺሕ መኻይን ዕለታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቁፅፅር ማእኸል፣ ዳሽ ቦርድን ድሮንን ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኦፕሬቲንግ ሲስተም ብምጥቃም ብብቕዓት ምትእንጋድ ምኽኣል ንኣመራርሓ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ጅማሮ እቲ ፕሮጀክት ብዙሓት ኣይትኽእሉን፣ እቲ ገንዘብ እውን ኣይርከብን፣ ስራሕ ምምራሕ ኣይኾነልኩልም፣ ንምንታይ ትሓስቡ ዝብል ምልክታት ምቑራፅ ተስፋ ከምዝነበሮም ብምዝኽኻር፥ ንሕና ድማ ንኽእል ኢና፤ ይግበአና ኢዩ ንብል ኣለና፤ መን ከምዝዕወት ድማ ግዜ እንትበፅሕ ከንርእይ ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እዚ ኤርፖርት ቅድመ ሐዚ ከምዝነበሩ ፕሮጀክቲታት እንተይኮነስ ብልዑል ክትትል ዝምራሕ ብምዃኑ ኣብ ዝበልናዮ እዋን ክንዛዝሞ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።
ብሶስና ኣለማየሁ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.