ዝተግበርናዮ መመሓየሺ ጠገማት ተፃዊርና ከም ሃገር ክንፀንዕ ሓጊዙና እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉት ሒደት ዓመታት ዝተግበርናዮም መመሓየሺታት ኢኮኖሚና ፀገማት ተፃዊሩ ከም ሃገር ንኽንፀንዕ ሓጊዙና እዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 1ይ ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም፡፡
ኢትዮጵያ ዝተግበረቶም መመሓየሺታት ተገመትቲ ኣብ ዘይኮኑ ሓደጋታት ናይ ምሕላፍ ዓቕሚ ንምፍጣር ከምዘኽአለ ዝተፈላለዩ ኣመላኸትቲ ብምብራቕ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪን ጎንፂን ብዋናነት ስርዓት ንግዲ ንኽዛባዕ ምግባሩ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ዕቤት ዓለም ጭቡጥ ኣሉታዊ ፅዕንቶ አሕዲሩ እዩ ኢሎም፡፡
ምህዋኽ መስመራት ንግዲ ሓደ ፀገም ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሃገራት ካብ ወፃኢ ገዚአን ዘእትወኦም እታወታት ኣብ ዝደለየኦ እዋን ንኽረኽባ ማሕለኻ እናፈጠረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ከም ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ዝበሉ መሰረታዊ ፍርያታት ሕፅረትን ወሰኽ ዋጋ ከምዘጋጠመ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ዝዓበያ ሃገራት እውን ምኽባር ናብራን ማሕለኻ ዕቤትን ኣስዒቡ እዩ ኢሎም፡፡
ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተግበረቶም መመሓየሺታት ኢኮኖሚኣ ፀገማት ተፃዊሩ ከም ሃገር ንኽንፀንዕ ሓጊዙና ኢሎም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ