ዲጂታ ህዳሰ – ንዘመናዊ ናብራን ህንፀት ኢኮኖሚን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራት ንምምዕባል ኣብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ኣገልግሎታት ብፅሬትን ብቕልጣፈን ንዜጋታት ምብፃሕ፣ ዜጋታት ብፍልጠት ቴክኖሎጂ ንምብቃዕ ምስራሕ ብሓፈሻ ድማ ኢኮኖሚ ብዲጂታል ዘፈር ምድጋፍ ትፅቢት ዝግበር እዩ።
ሃገርና ትግበራ ዲጂታል 2025 ዛዚማ ዲጂታል 2030 ንምዕዋት እናሰርሐት ትርከብ። ኣብ ምዕባለ ክእለት ፈጠራ መናእሰይ ዝሕግዝ ጎስጓስ 5 ሚልዮን ኮደርስ ብምዕዋት ሕዚ ድማ ቁፅሪ ኮደርስ ናብ 7 ሚልዮን ንምዕባይ ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ ኣፍሪካ ፈላሚ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ምህናፅ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ዘፈር ዝሃቶ ትኹረት ዘርኢ ካሊእ ምልክት እዩ።
ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ መገዲ ዲጂታል ስግግር፣ ኣጠቓቕማ ወረቐት ዝነከየ፣ ዝተሓላለኸ ስርዓት ቢሮክራሲን ተቓላዕነት ብልሽውናን ብምእላይ ድማ ዕግበት ህዝቢ ዘረጋገፀ እዩ።
ምጅማር ኣገልግሎት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ሙሉእ ሓበሬታ ዜጋታት ብማእኸላይ ስርዓት ንምእካብን ንምምሕዳርን ከምኡ’ውን ዜጋታት ንዝኾነ ኣገልግሎት እንተደልዮም ዲጂታል መንነት ፋይዳኦም ጥራሕ ብምጥቃም ንኽረኽቡ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ብምውህሃድ፣ ኣብ ሓደ ቦታ ንኽርከቡ ብምግባር ተገልገልቲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ መንገዲ ናብ ተግባር ኣውዒሉ እዩ።
እዚ ድማ ግዘኦም፣ ዓቕሞምን ገንዘቦምን ንኽዓቑሩ ዝሕግዝ መንገዲ ዝፈጠረ ኮይኑ ብወረቐት ይስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ብምእላይ ገንዘብን ግዜን ዝቑጥብ ስርዓት ኮይኑ እዩ።
ከም ሳፋሪኮም ዝበሉ ኩባንያታት ኣብ ዘፈር ቴሌኮም ንኽኣትዉ ምግባሩ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንምቕራብ ዘኽእል ናይ ውድድር ከባቢ ዝፈጠረ ኮይኑ፤ ሓደሽቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ናብ ተግባር ንኽውዕሉ ድማ ዕድል ፈጢሩ እዩ።
ከም ቴሌ ብር፣ ኤም-ፔሳን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዲጂታል ኣማራፂታት ክፍሊትን ናብ ተግባር ዝመፅኡሉ ስርዓት ኤሌክትሮኒክስ ክፍሊትን ተገልገልቲን ዓደግቲን ከይታኣጓሉ ስግኣት ድሕነት ብዝኣሊ መገዲ ክፍሊት ንኽፍፅሙ ኣኽኢሉ እዩ።
እዞም መርአያታት ኣብ ዲጂታል ዘፈር ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምኡ እውን ሎሚ ዝበፃሕናዮ ደረጃ ምልዓል ዘርእዩ ጥራሕ ዘይኮኑስ፤ ኢትዮጵያ ፅባሕ ናበይ ክትበፅሕ ከም እትኽእል ዝእንፍቱ እዮም።
ብቤተልሄም ግርማ