Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለታት ስራሕ ኣጀንዳታት ምኽረ ሓሳባት ናብ ዘዋድድ ጉጅለ እናቕረቡ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከይዲ ዘተ ጉጅለታት ስራሕ ዘዳለውዎምን ዝተሰማምዑሎምን ምክረ ሓሳባትንምንባብ፣ ንምጥዕዓምን ንምውዳብን ንዝተጣየሸ 120 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ሓሳባቶም እናቕረቡ ይርከቡ።
እዚ ኣዋዳዲ ጉጅለ ካብ ሸሞንተ ጉጅለታት ስራሕ ነፍሲ ወከፎም 500 ኣባላት ዘለውዎም ብዝተመረፁ 15 ኣባላት ዝተዋቐረ ምዃኑ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ ንኹሎም ኣጀንዳታት ዘተ ዝተሰማምዑሎም ሓሳባት ምኽሪ ብምስማዕ ዘጠዓዕም፣ ኣብ መንጎ ዝቐርቡ ሓሳባት ግጭት ወይ ምጥርጣር ከይህሉ ጥንቃቐ ዝገብር ከምኡ’ውን ንኹሎም ሓሳባት ሓደ ስርዓት ብምፍጣር ናብቲ 4 ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ዋና ጉባኤ ብምውዳብ ዘቕርብ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እቲ ጉጅለ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ስራሕ ዝመፅአኡ ምክረ ሓሳባት እናሰምዐ ከም ዝርከብ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.